Home ዜና ፆመ ትግራይ

ፆመ ትግራይ

825

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኣወጀ ቕሉዕ ኲናት ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ጠጠው ክብል እግዚኣብሄር ሰላምን ፍቕርን ከውርድ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥቅምት 14 ጀሚሩ ንተኸታታሊ 3 መዓልቲታት ዝፀንሕ ፆምን ፀሎትን ከካይድ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ፀዊዑ፡፡  

ምክትል ኣካያዲ ስራሕ  መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ መልኣከ ብርሃናት ገብረስላሴ ሕሸ ኩሉ ፍጡር ካብ ሰላም እምበር ካብ ኲናት ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን  እሞ ዕድሚኡ ካብ 7 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ  ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ኩሉ ስራሕቱ ጠጠው ኣቢሉ ብፀምን ፀሎትን ፈጣሪኡ ክልምን ፀዊዖም፡፡

ብገነት ካሕሳይ