Home ቢዝነስ ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ስሩዕ ስራሑ ንምጅማር ዘኽእል ሙሉእ ቁመና ከምዝወነነ ተገሊፁ።

ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ስሩዕ ስራሑ ንምጅማር ዘኽእል ሙሉእ ቁመና ከምዝወነነ ተገሊፁ።

82

እዚ ዝተገለፀ እቲ ማሕበር ኣክስዮን ምስ ቦርድ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣብ ነባራዊ ኩነታት እቲ ማሕበር አመልኪቱ መድረኽ ዘተ እንተሳልጥ እዩ።

ዛጊድ እቲ ማሕበር ልዕሊ 3.5 ቢልየን ብር ኣብ ዕፁው ባንኪ ከም ዝወነነን እቲ ፋብሪካ ስሩዕ ስራሑ ንምጅማር ዘኽእል ሙሉእ ቁመና ከም ዘለዎን ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ማሕበር ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ ተዛሪቦም።

ማሕበር ኣክሲዮን ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ቁጠባውን ማሕበራውን ፀገማት ማ/ሰብ እቲ ከባቢ ብውሱን መልክዑ ንምቅላል ልዕሊ 20 ኪሎ ሜትር መንገዲ ብምጽራግ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ተረባሕቲ ገይሩ እዩ ኢሎም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ ረዳ እቲ ፋብሪካ ሕጽረት ሲሚንቶ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምፍታሕን ንልዕሊ 2 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዓሊሙ ይንቀሳቀስ ከም ዘሎ ድማ ኣብሪሆም።

#ብመርሃዊ_ተስፋይ