Home ዜና ፋብሪካ ችፑድ ማይጨው ሕፅረት ሰሌዳ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ፋብሪካ ችፑድ ማይጨው ሕፅረት ሰሌዳ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ።

984

ፋብሪካ ችፑድ ማይጨው ዘለውዎ ሕፅረት ናውቲ ኣብ ግምት ብምእታው ንገለ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዝኸውን ሰሌዳ ኣብ ምፍራይ ከም ዝርከብ ተሓቢሩ።

እቲ ፋብሪካ ዘለዎ ሕፅረት ኬሚካልን ካልኦት ናውቲን ተፃዊሩ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብምግባር ብቐንዱ ብ50 ሚእታዊ  ዓቕሚ ምፍራይ ችፑድ ይዓምም ከምዘሎ ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ሓቢሮም።

ፋብሪካል ችፑድ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ባዮማስ ከም ምንጪ ፀዓት ንምጥቃም ዝገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ሓዊሱ ነቲ ፋብሪካ ዳግማይ ናብ ንቡር ስራሕቲ ምፍራይ ንምምላስ ምሕደራን ሰራሕተኛታትን እቲ ፋብሪካ ዘርእይዎ ዘለው ዘገርም ተወፋይነት ድማ ዝነኣድ ምዃኑ ፕሮፈሰር ክንደያ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ትዊተሮም ገሊፆም።

ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ