Home ቢዝነስ ፋይናንሳዊ ትካላት ከይሓዝካ ዝረጋገፅ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕብየት የለን ኢሉ ኣብ ከይዲ ምስራታ...

ፋይናንሳዊ ትካላት ከይሓዝካ ዝረጋገፅ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕብየት የለን ኢሉ ኣብ ከይዲ ምስራታ ዘሎ ባንኪ ግእዝ።

52

ኣብ ከይዲ ምስረታ ዝርከብ ባንኪ ግእዝ ኣብ እዋናዊ ኩነታት እቲ ባንኪ ኣመልኪቱ ምስ ኣባላቱን ዕዱማት ኣጋይሽን መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ።

ንብዙሓት ፀገማት ተፃዊሩ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንክበፅሕ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣካቢ ኮሚቴ ምስረታ ባንኪ ግእዝ ኣይተ ኣብራሃ ገ/ዋህድ እንተኾነ ግና ህዝቢ እምነት ንኸየሕድር ዝተፈላለዩ መልክዓት ዝሓዙ ዕንቅፋታት የጋጥምዎ ኣለው ኢሎም።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቶም ዝነበሩ መዃልፋት ብምፅዋር ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 610 ሚልየን ብር ካፒታል ኣብ ዕፅው ኣካውንት ዝወነነ ከም ዝኾነ ኣይተ ኣብራሃ ኣገንዚቦም።

ከም ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተፀበኻ ዝረጋገፅ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕውየት ስለ ዘየለ ፣ ኣብ ዕፅው ኣካውንት ዘሎ ካፒታል ትካላት ፋይናንስ ቀልጢፉ ናብ ተግባር ክኣቱን ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣበርክቶ ንክህልዎን ህዝቢ በዓል ዋና ኮይኑ ክዓመሉ ከምዝግባእ ኣይተ ኣብርሃ ገሊፆም።

#ብመርሃዊ_ተስፋይ