Home ዜና ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

696

ኣብ ቤልጄም ዝተኻየደ ውድድር ጽባቐ ”ሚስ ብላክ ቤልጅም 2023” ካልኣይቲ ኰይና ዝዛመት ወይዘሪት ፅባቐ ራህዋ ክንፈ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ ክረኽባ ፀዊዓ።ራህዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ ዉድድር ባህልን ጸጋታትን ትግራይ ብምልላያ ሓበን ከም ዝተሰምዓን ብፍላይ ከዓ ድምፂ ናይተን ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ኣደታትን ኣሓትን ወኪላ ኣብቲ ውድድር ምቕራባ ዓቢ ዕድል ምዃኑ’ውን ሓቢራ።

ኣብዚ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ባህልታተንን ጸጋታተንን ከላልያ ዕድል ከም ዝረኽባ ይግለጽ ራህዋ እዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ መወዓውዒ ብምርኣይ እያ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ወሲና።

ራህዋ ንትግራይ ወኪላ ኣብቲ ውድድር ንኽትሳተፍ ዝደረኻ ሓደ ካብ ንእስነታ ጀሚሩ ንውድድር ጽባቐን ሞዴሊንግ ስራሕን ፍሉይ ድልየት ብምንባራ ምዃኑ ትገልፅ።ብተወሳኺ፡“ኣብ ትግራይ በተለይ በተለይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣደታትናን ኣሕዋትናን ዝበጽሐ ግፍዒ ዓው ኢለ ክዛረበሉ ዝኽእለሉ ዓቢ መድረኽ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ እየ ብጣዕሚ ደስ ኢሉኒ ተሳቲፈ” ትብል ራህዋ።ራህዋ መጀመርያ ንትግራይ ወኪላ ክትወዳደር ተኸልኪላ ከም ዝነበረት ብምሕባር ንትግራይ ወኪላ ከም እትወዳደር ክትገልጽ ከላ፡ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ከም ዝተደናገሩ ትዛረብ።“ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት እዮም ዘፋልጡ ነይሮም” ትብል።

ራህዋ ትግራይ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ከም ዝዀነትን ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ፡ ባህልን ጸጋታትን ከም ዘለዋ ምስ ሓበረቶም፡ ኣብ መወዳእታ ንትግራይ ወኪላ ክትወዳደር ከም ዝተፈቐደላ ገሊፃ።“ዕላማኡ መንነትን ባህልን ኣፍሪቃ ምፍላጥ ስለዝዀነ ኣብ መወዳእታ ፈቒዶምለይ።” ብዙሓት ተወዳደርቲ ሃገረንን ባህለንን ወኪለን ኣብቲ ውድድር ከም ዝቐረባ እትገልጽ ራህዋ፡ ካብኣተን “ናብ መድረኽ ዝወጻእና ድማ ትሽዓተ ” ኢና ኢላ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት “ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ነገር ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ብምባል ብዛዕባ እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ እዋን’ቲ ኲናትን ድሕሪኡን ዝወረደን በደላት ዓው ኢላ ክትዛረብ ምኽኣላ ከም ዘሐጐሳ’ውን ሓቢራ።ራህዋ እቲ ውድድር ኻልኦት ዕድላት’ውን ክትረከብ ከም ዘኽኣላ’ያ ትገለጽ።“ኣብቲ ውድድር ሚስ ቤልጅም ተረኺባ ነይራ፤ ንሳ ‘ጎልደን ቲኬት’ ሂባትኒ” ኢላ። እቲ ‘ጎልደን ቲኬት’፡ ራህዋ ብቐጥታ ኣብ ሚስ ቤልጅም ንኽትሳተፍ ዘኽእላ እዩ።ሓንቲ ተዓዋቲት ሚስ ቤልጅም ክልተ ‘ጎልደን ቲኬት’ ከም ዝወሃባን ኣብ ከም ሚስ ብላክ ቤልጅም ዝበሉ ፍጻመታት ተረኺባ ንዝመረጸተን ክልተ ኣዋልድ ክትህብ ከም እትኽእል ኣብሪሃ።

ኣብ መጋቢት 2022 ናብ ቤልጅም ዝኣተወት ራህዋ ትውልዳን ዕብየታን ኣብ ከተማ ኣክሱም እዩ።“ኣክሱም ብጣዕሚ ዓባይ ከተማ ኣይኰነትን፤ እንተኾነ ግና እቲ ሕብረተሰብ ባዕሉ እዩ ዘዕብየካ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።ገና ተማሃሪት ከላ ንሞዴሊን ፍሉይ ስምዒት ዝነበራ ራህዋ ተምሃሪት ካልኣይ ብርኪ እንከላ ሚስ ኣክሱም ከም ዝተዓወተት ድማ ትዛረብ።ብተወሳኺ ንትግራይ ወኪላ ባድሜንተንን ሰደቓ ቴኒስን ትጻወት ነይራ።ኣብ ኵሉ መዳይ ወለዳ ንስምዒታን ድልየታን ይድግፉ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ብህይወት ዘየለ ኣቦኣ “ናብዚ ከም ዘብጸሓ” ትገልጽ።

ራህዋ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሳሳይት ኰይና ንኣስታት 5 ዓመት ሰሪሓ’ያ እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኸፈተ ወራርን ኲናትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት ማእሰርትን ምንግልታዕን ክዀኑ እንከለዉ፡ ራህዋ’ውን “ከም ኵሉ ትግራዋይ” ካብቲ ግፍዒ ከም ዘየምለጠት ተረድእ።“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ትግራወይቲ መንነተይ ተኣሲረ ነይረ። ብዙሓት መሓዙተይ ተኣሲሮም፣ መእተዊ መውጽኢ ዝሰኣንናሉ ግዜ እዩ ነይሩ።

ምስ ተፈታሕኩ ኸኣ ህይወተይ ንምድሓን ናብ ቤልጅም መጺአ” ብምባል ትሕብር።ኣብዚ ሕጂ እዋን ራህዋ፡ ኣብ ቤልጅም ፎቶ ሞዴል ኰይና ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ፕሮግራሚንግ ወይ ዌብሳይት ዲቨሎፕመንት ትመሃር ኣላ።ብቐጻሊ ድማ ውድድር ጽባቐ/ሞዴሊን ክትቅጽለሉን ዓዳ ባህላን ክተፋልጥን ድልየት ከምዝለዋ ትገልጽ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት።