Home ዜና ፍትሒ ንግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ

ፍትሒ ንግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ

490



ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ ክረኽባ ከምዝግባእ ፃውዒት ቐሪቡ፡፡

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዓለም ለኻዊያንን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተረኸበት ነበር ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኢትዮጵያን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲተዩት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካን ፊልሳን ዓብዲ፤ ንደማዊ ኲናት ትግራይ ስዒቦም ዝተፈፀሙ ገበናት ፆታዊ መጥቃዕቲ፤ ምምዝባል ወገናትን ጨፍጫፍን ኣመልኪታ ርኢቶኣ ኣቕሪባ ፡፡

ፊልሳን ዓብዲ “ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት፤ ብኣማኢት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚፀን፣ ሚልዮናት ወገናት ተመዛቢሎምን ተሳቕዮምን እዮም፡፡ ዝነበረኒ ሓላፍነት ለቒቐ ክወፅእ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስዝተፈፀመ ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ እዩ” ትብል።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ተሓታትነት እንትረጋገፅ ምዃኑ ዝገለፀት ፌልሳን ትኽክለኛ ፍትሒ ክረጋገፅ ዝኽእል ድማ ደቂ ኣንስትዮ ውሳነ ናይ ምሃብ ብቕዓተን እንትረጋገፅ ብምዃኑ ነዚ ድማ ጥጡሕ ዕድል ክመዓራረየለን ይግባእ ብምባል ቅዋማ ገሊፃ፡፡

ደቂ ኣነስትዮ ናይ ምውሳን ዓቕመን ክዓቢ ይግባእ ማለት፤ ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ፍትሒ ተሳተፍቲ ክኾና ይግባእ ማለት እዩ ፣ ንሕና እውን ከም ደቂ ኣንስትዮ መጠን እወንታዊ ብፅሒት ክንፃወት ይግበኣና ክትብል ገሊፃ፡፡

ብደረጃ ሃገር እውን ተሳትፎን ናይ ምውሳን ዕድልን ክረኽባ ይግባእ ዝበለት ፊልሳን ዓብዲ ብፍላይ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኮይነን ብሂወት ዝተረፋ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ክሳተፋሉ ኣለወን ትብል፡፡

ብዘይካ ንጡፍ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ሰላም ክረጋገፅ ኣይኽእልን ዝበለት ፊልሳን ኣብዲ ኲናት ብዝተልዓለ ቁፅሪ ስቓይን በደልን ደቂ ኣንስትዮ ጎሊሁ ዝረአ ብምዃኑ ዘሕዝን ብምዃኑ ድሕሪ ሕዚ ኲናት መሊሱ ብዘይለዓለሉ ደረጃ ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅ ይግባእ ኢላ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ