Home ዜና ፍትሒ ዝስኣነ ንብዓት ህዝቢ—-ኣብ 2013 ዓ.ም ወርሒ ታሕሳስ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተጨፍጨፉ...

ፍትሒ ዝስኣነ ንብዓት ህዝቢ
—-
ኣብ 2013 ዓ.ም ወርሒ ታሕሳስ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተጨፍጨፉ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ኣስከሬኖም ካብቲ ዘለዎ ቦታ ተላዒሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈፂሙ።

809

ንልዕሊ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ማእኸል መንበሪ ገዛን መንገድን ተቐቢሩ ዝነበረ እስካሬን ሰለማውያን ግዳያት ካብ ፀላኢ ሓራ ዝኾኑ ከባቢታት እታ ወረዳ ካብቲ ቦታ ተላዒሉ ቤተስብን ህዝብን እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ቤተክርስትያን ተፈፂሙ ኣሎ።

እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ጣብያ እንዳሞሳን ሓረዘን ጥራሕ ዝተሳለጠ እንትኾን ኣብ ትሕቲ እቲ ውራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ግና እዚ ምግባር ኣይሕስብን።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ካብ ወራሪ ሰራዊት ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሓራ ዝኾኑ ከባቢታት ብግፍዒ እቶም ሰራዊት ኤርትራ ተረሺኖም ንቡር ባህላውን ሃይማኖታውን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከይረኸቡ ዝፀንሑ እቶም ግዳያት ሐዚ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ተገይሩ ከምዘሎ ስድራ ቤት ግዳያት ሓቢሮም።

ኣብ መረባኻ ሬሳ ቤተሰብካ ሓቑፍካ ምንባር ኣዝዩ መሕመሚ እዩ ዝበሉ ቤተሰብ ግዳያት፡ በዚ ድማ መረበቶም ገዲፎምዎ ምንባሮም ኣረዲኦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ፍትሒ ረኺቦም ንብዓቶም ክሕበስን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡን ናይ ኩሉ ግዘ ባህጎም ምዃኑ ኣነፂሮም።

ወራሪ ስራዊት ኤርትራ ሐዚ እውን ካብ መሬት ኢሮብ ብዘይ ምውፅኡ እቲ ፅንተት ይቕፅል ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ወገናት፡ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ እቲ ወራሪ ሓይሊ ካብ ግዝኣት ትግራይ ብህፁፅ ክወፅእ ይግባእ ኢሎም። እዚ ዘይግበር እንተኾይኑ ግና ዓለም እናረኣየትን እናሰምዐትን ህዝቢ ብሄረስብ  ኢሮብ መሊኡ ክፀንት እዩ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ብእያሱ በርሀ