Home እንታይ ይበሃል ኣሎ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ መስተንክራዊ ስርሕቲታት ንዝፍፅማ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ...

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ መስተንክራዊ ስርሕቲታት ንዝፍፅማ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ ኣመስጊኖም

1353

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር #ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ተፈጥራዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ተፃዊረን መስተንክራዊ ስርሒታት ንዝፍፅማ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ ሕዚ እውን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከሕይላ ፀዊዖም፡፡
ኣብ ከተማ #መቐለ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክካየድ ዝፀነሐ መድረኽ ምኽክር ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ትግራይ መዕፀዊ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ዝተረኸቡ #ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ጨፍሊቆም ምስ ሙሉእ ዓቅሞምን ጋዕ ገልጦሞምን ተሃንጠዮም ዋላ እኳ እንተመፁ #ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ብሓደ ልቢ ሰሚሩ ብዝገበሮ ቃልሲ ዓበይቲ ዓወታት ብምጭባጥ ፀላእቲ ስዕረት ተጎልቢቦም መልሓሶም ክሓይኩን ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ከይፈተው ክዛረቡ ገይርዎም ኢሉ ኢሎም፡፡
ፀላእቲ ፃዊዒት #ሰላም ህዝብን መንግስትን #ትግራይ እንድሕር ዘይተቀቢሎም ሕዚ እውን ክንቀብሮም ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሕዚ እውን ከም ትማሊ ሓድነትና ብምስጣም ጠጠው ክንብል ከም ዝግበአና እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጀሚሩ እምበር ገና ኣይተዛዘመን ዝበሉ ፕረዚደንት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል #ዋዕሮታት ትግራይ ብዙሓት ፀገማት ሰጊርክን ዘመዝገብክንኦ መስተንክራዊ ዓወታት ፍፃመ ክሳብ ዝርከብ ቃልስኽን ክተጠናክራ ይግባእ ድማ ኢሎም፡፡
ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልስና ብምሕያል ፃላእቲ ንትግራይ ዳግም ቆላሕ ኢሎም ንከይሪእዋ ቃልስና ክነሕይል ኢና ዝበላ ድማ ሓደሽትን ነባራት ተጋደልትን እየን፡፡
ብኣስቴር ገብረስሉስ