Home ዜና ናብ ተግባር ዘይተሸረፈ ስምምዕነት

ናብ ተግባር ዘይተሸረፈ ስምምዕነት

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ዛጊድ ናብ #ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ የለን፡፡ 15 መጋቢት 2014 ዓ/ም ድሕሪ ዝተወሰነ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል፣ ናብ ትግራይ ዘይኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ተፃብኦ ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ እኳ እንተበለ ናብ ተግባር ዝተሸረፈ ምንቅስቓስ ግን ኣይተገበረን ክብል እቲ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ፡፡ #ማሕበረሰብ ዓለም ንመደናገሪ ኣካያይዳ እቲ ጉጅለ ይኣኽል ክብሎን ፅዕነቶን ክፈጥርን ይግባእ ክብል ድማ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት #ትግራይ ፀዊዑ፡፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ #ፖለቲካ ምትሕሓዝ እውን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ፡፡

1208
0
Previous articleፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ መስተንክራዊ ስርሕቲታት ንዝፍፅማ ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ ኣመስጊኖም
Next articleብሕፅረት ነዳዲ ማሕበራውን ቁጠባዊን ቁልዉላዉ ኣብ ትግራይ