Home ዜና ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘትዮም።...

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘትዮም። —-

240

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ በርነን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን መንግስቲ ኣየርላንድ መቐፀልታ እቲ ዝሓለፉ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኣብቲ ጥንኩር እዋናት ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሖ በደል ፍትሒ ንክረክብ ዝወሰዶ መርገፂ ግዝያዊ ምምሕዳረን ህዝቢ ትግራይ ልዑል ክብሪ ዝህቦ እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ፀበባ ክወፅእን ናብ ሰላምን ልምዓትን ክምለስ ዝተወረረ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ክምለስ፣ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክትግበር መንግስቲ ኣየርላንድ ኮነ ካልኦት መንግስታት ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው።

ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ በርነን መንግስቲ ኣየርላንድ ንብዙሕ እዋናት መሓዛ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ብዙሓት ስራሕቲ እናዓመመ ከምዝመፀ ብምዝኽኻር ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምሕጋዝ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎን ንቐፃሊ ፕሮጀክታት ሓኒፅፁ ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቃስ ከም ዝጀመረ ሓቢረን።

እተን ኣምባሳደር ደሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምዕዛብ ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓዲግራትን ዑደት ዝገበራ ኮይነን ብፍላይ ግዳይ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኮይነን ከቢድ ጉድኣት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ መንግስቲ ኣየርላንድ ብዕቱብ ክሰርሐሉ እዩ ኢለን።

ሃፍታሙ ገ/ስላሴ