Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ፕሮጀክት “ሓደ ትግራዋይ ንሓደ ውላድ ስውእ”

ፕሮጀክት “ሓደ ትግራዋይ ንሓደ ውላድ ስውእ”

55

ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ “ሓደ ትግራዋይ ንሓደ ውላድ ስውእ” ዝብል ፕሮጀክት ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ምብሳር እቲ ሓዱሽ ፕሮጀክት ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣመራርሓ ሓይሊታት ፀጥታ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተረኸቡ እንትኾን ፓነል ምይይጥ ተኻይዱ እዩ።

ጀኖሳይዳዊ ኩናትን ወራርን ትግራይ ንምምካት መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ተጋዳልቲ ትግራይ፤ ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝወደቑ ቁፅሪ ስድረኦም ቀሊል ዘይምዃኑ እቲ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ከምዘረጋገፀ ኣመሊኺቱ።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣይተ ገ/ጊዮርጊስ ሓርገን ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ኩሉ ኣብ ጎኒ እቲ ፕሮጀክት ክዓስል ፀዊዖም።

ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ነዚ ፕሮጀክት ኣብ ምድጋፍ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ዘረጋገፁ ኣቦ ወንበር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ናስር ሞምሕር እዮም።

ፀገም ስድራ ስውኣት ንምፍታሕ ብመንግስቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዋላእንተሃለዉ እቲ ፀገም ሰፊሕ ብምዃኑ ሕዚ ውን ግን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ክረባረቡ ኣደ ወንበር ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ዶ/ር ምሕረት በየነ ፀዊዐን።

#ብሂወት_ሽበሺ