Home ዜና ልዕሊ 20 ሃገራት ኣብ ሱዳን ተኹሲ ደው ክብል ፀዊዐን።

ልዕሊ 20 ሃገራት ኣብ ሱዳን ተኹሲ ደው ክብል ፀዊዐን።

534



ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ደው ክብልን ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ክበፅሖንም ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ላዕለዋት ሰብ ስልጣንን 20 ሃገራት ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ከተማ ኤልፋሸር ጨፍጫፍ ዕፅዋን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ከም ዝተፈፀመ ዘረጋገፃ ጥምረት ሃገራት 20፤ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ደው ክብልን ብጥሜት ዝሳቐዩ ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖምን ፀዊዐን፡፡

ብሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ህፁፅ ደገፍ ከተማ ኤልፋሸር ኣብ ዝቖፃፀረሉ እዋንን ድሕሪ ምቁፅፃሩን ግፍዕን ምጥሓስ ሰብኣዊ ሕጊ ይፍፀም ምህላዉ መረዳእታ ከም ዝረኸቡ ዝገለፁ ሚኒስቴራት ጉዳያት ወፃኢ ካናዳን እንግሊዝን ዝሓቖፈ ጥምረት፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍፀም ዘሎ ዝተዋደደ ገበን ኮኒኖም። ተጎንፀቲ ሓይልታት ናበ ዘተ መድረኽ ክቐርቡ ፀዊዖም።

ኣብ ኤልፋሸር ዝተፈፀመ ገበን ናብ መላእ ዳርፉርን ምብራቕ ኮርዶፋንን ክጋፋሕ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ስግኣቶም ዝገለፁ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እተን ሃገራት፤ ኲናት ብህፁፅ ደው ክብልን ገበነኛታት ክሕተቱን ኣብ ለንደን ኣብዘካየድዎ ዋዕላ ከም ዝተስማዕምዑ ኤጀንሲ ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡

ብሰንኪ ዕፅዋ ህዝቢ ኤልፋሸር ንኸቢድ ጥሜት ተቓሊዑ፡፡ ግዱድ ፆታዊ ዓመፅ፣ ብሄር ዝፈለየ ጨፍጫፍን ግፍዒን ይኸውን ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ጉባኤተኛታት፤ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ፍትሒ ምርግጋፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ሞራላዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኣልፈሸር ዝተርኣየ ስቓይን ጨፍጫፍን ዓለም ብግልፂ ዝተዓዘበቶ ምዃኑ ዘብርሁ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፤ እቲ ተግባር ኣብ ኮርዶፋን ከይድገምን ኣብ ልዕሊ ኣቕረብቲ ኣፅዋር እገዳ ክመሓላለፍን ፃውዒት ምቕራቦም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኤልፈሸር ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ኣብ ዕጡቓት ህፁፅ ደገፍ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኢድ ኣእታውነት ሕቡራት ዒመራት ዓረብ ዘለዎን፤ ዝሓበረ ፀብፃብ ኒው ፖሊቲክስ ብግዲኡ፤ ውግእ ሱዳን ዝተሓላለኸን ረብሓ ንሰብኣዊነት ዓብሊሉ ዝተርኣየሉ ምዃኑ የብርህ፡፡

ካብ ከተማ ኤልፋሻር ጥራሕ ልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ምህላዉ ጥምረት ሓኻይም ሱዳን ዝገለፀ ኮይኑ፤ ሕክምናዊ ሓገዝ ይረኽቡ ንዝነበሩ ሰባት ከይተረፈ ከም ዝተጨፍጨፉን ህዝቢ ንሓደጋ ከምዝተቓለዐን ኣተሓባባሪ ትርያንግል ሰብኣዊ ሓገዝ ዋሲም ሶላንጊ ይጠቕሱ፡፡

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 70 ሽሕ ተመዛበልቲ ተቐቢልና ኣለና፡፡ ኩነታት እንተዘይተመሓይሹ ክሳብ 250 ሽሕ ክበፅሕ ይኽእል ክብሉ ሓሳቦም ገሊፆም።

#ገ/ሄር _ሃይሉ