Home ዜና ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ

ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ

567
0

ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ ማሕበር ሰብዓ እንደርታ ሲዊዘርላንድ ዝላኣኽዎ ልዕሊ 500 ሽሕ ብር ንዝተፀገሙ ኣረጋውያን ኣዴታትን ነበርቲ ወረዳ እንደርታ ጣብያታት መንበረ ቁዱሳንን ለምለምን ተዋሂቡ።እቶም ኣረጋውያንን ኣዴታትን ዝተገበረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣበራ ተስፋይ ንቐፃሊ ዝትፅገመ ህዝቢ ካብ ተጠዋርነት ወፂኡ ዓርሱ ዝኽእለሉ ኩነታት ንክፍጠር ማሕበሮም ከምትሰርሕ ኣረዲኦም፡፡ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ብርሃነ ዮውሃንስ ዲያስፖራ ስቓይ ህዝቦም ንምቅላል ካብታ ዘላቶም ብምክፋል ዝገብርዎ ሓገዝ ቐፃሊ ክኸውንን መልእኽቶም ኣሕልፎም፡፡

#ብሰለማዊት ገብረኣምላኽ

Previous articleካብ ትግራይ ክሳብ የመን ዝተዘርግሐ ዘይሕጋዊ መሓውር ደላሎ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።
Next articleኣዴታት ኣብ ልምዓት መስኖ