ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትሕቲ ቫይራል ሄሞራጂክ ፌቨር (WHF) ዝምደብ ሕማም ማርበርግ ቫይረስ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ከምዝተርኣየ ምኒስትሪ ጥዕና ምፍላጡ ይዝከር።
ሕማም ቫይረስ ማርበርግ (Marburg Virus Disease) ብመልክዕ ለበዳ ዘጋጥም ሕማም እንትኸውን ኣብ ሰባትን ካልኦት እንስሳትን ከጋጥም ይኽእል።
ብ1967ዓ/ም ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ማርበርግ መበገሲኡ ዝገበረ እዚ ሕማም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኡጋንዳ ፣ ኬንያን ኣንጎላን ተኸሲቱ ኔሩ እዩ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት እውን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ተራእዩ ፣ ምኽንያት ሞት ኮይኑ እዩ ።
ንሕማም ማርበርግ ቫይረስ ምክልኻል ዝከኣለሎም ሜላታት ጠሚቱ ማዕዳ ዝተወከስናዮም ኣብ ኮምፐርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ሓኪም ህፃናትን ኣባፅሕን ዶ.ር. እዝራ ፋንታሁን ቀፂሎም ዝተጠቐሱ ሞያዊ መብርሂታት ሂቦም ኣለዉ።
ብሕማም ማርበርግ ቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ በቲ ሕማም ድሕሪ ምትሓዙ ካብ 2 ክሳብ 21 መዓልቲ ኣብ ዘሎ እዋን ልዑል ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ቅርጥማት፣ ቃንዛ ጭዋዳታት፣ ጎሊሁ ዝረአ ሽፍሽፍታ ኣብ ልዕሊ ቆርበት፣ ተምላስን ንዓቐብ ምባልን ከርኢ ከምዝኽእል ዶክተር እዝራ ገሊፆም።

ቫይረስ ማልበርግ ኣብ ደም ናይ ምፅናሕ ዓቕሚ ስለዘልዎ እቲ ሰብ እንተምልሶን ንዓቐብ እንተብሎን ደም ተሓዊሱ እትወፅእን እናገደደ እንተከይዱ እውን ከም ዅሊት ኣብ ዝመሰሉ ውሽጣዊ ኣካላት ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ኩነታት ከምዝፈጥርን እቶም ሓኪም ኣብሪሆም።
እቲ ሕማም፥ ካብ ሰውነት ብዝወፅእ ዝኾነ ይኹን ፈሳሲ፣በቲ ሕማም ዝተጠቐዐ ሰብ ናውቲ ብምጥቃም፣ ብፆታዊ ርክብ ከም’ውን ኣብ ቅድመ እዋንን ድሕረን ወሊድ ካብቶም ዝመሓላላፈሎም መገዲታት ምዃኖም ኣገንዚቦም።

ሕማም ማርበርግ ቫይረስ ከመይ ምክልኻል ይከኣል?
ዶ/ር እዝራ፥ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ካብ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ ደምን ፈሳሲን ምርሓቕ፣ ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክን ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣ ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።
እዚ ሕማም ሓደገኛን ቀታሊን ምዃኑ ዝገልፁ እቶም በዓል ሞያ፥ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ምልክታት ዝተረኣዮ ሰብ ኣብ ቀረብኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብቅልጡፍ ክኸይድ ይግባእ ኢሎም።



