Home ዜና ” ሕፍረት ሓፍታ ንዕሽነት ” – ግዳያት ሕማም ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን

” ሕፍረት ሓፍታ ንዕሽነት ” – ግዳያት ሕማም ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን

329

ንእስቲ ሰላማዊት ተስፉ ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጄኖሳይዳዊ ውግእ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ግልጋሎት ሕክምና ስለ ዘይነበረ ሕርሲ ቓንዛ ተታሒዛ ኔራ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ገዛ ክትወልድን ንሕማም ፌስቱላ ክትቃላዕን ከም ዝተገደደት ትዛረብ።

ዘዘራረብናየን ኣደታት ብወገነን ብምልቆ ማህጸን ክህሰያ ከም ዝጸነሓን ፤ ብ ድሑር ስክፍታን ሕፍረትን ናብ ሕክምና ክመጽኣ ከም ዘይከኣላን ይገልጻ።

ኣብዚ እዋን ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ፥ ሕማም ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን 100 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ዝገለጻ ድማ በዓልቲ ሞያ ቍጽጽር እዚ ሕማም ሲስተር ኣልማዝ ተኣምር እየን።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ፤ ሕማም ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን ቅድሚ 17 ዓመታት ናብ ዝነበሮ ብርኪ ወሲኹ ከምዘሎ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሃምሊን መቐለ ፣ ፉሉይ መጥባሕቲ ፌስቱላን መተሓላለፊ ማህጸንን ዶ|ር መልኣኩ ኣብርሃ የገንዝቡ።

እዚ ማለት ” ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ መጽናዕቲ ፤ ካብ 1000 ኣደታት ፥ እተን 16 ወይ ከዓ 1 ነጥቢ 6 ሚኢታዊት ሕማማት ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን ተረኺብወን። ኣብ 2009 ኣ|ግ ናብ 0 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ወሪዱ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብዘሕዝን መልክዑ ናብ 2 ነጥቢ 6 ወሲኹ ‘ሎ። ” ክብሉ ዶ|ር መልኣኩ ኣብርሃ ወሲኾም የረድኡ።

ሓንቲ ግዳይ ሕማም ፌስቱላ ወይከዓ ምልቆ ማህጸን ኣዶ ንምሕካም ፤ ካብ 80,000 -90,000 ቕርሺ ወፃኢ የድሊ ዝበላ ሲስተር ኣልማዝ ፥ ኣብዚ ሆስፒታል ግና ብናፃ ክሕከማ ይግበር ከም ዘሎ ገሊጸን።

ኣብ ሆስፒታል ሃምሊን መቐለ መዓልታዊ ን 15 ግዳያት ግልጋሎት ሕክምና ሕማማት ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን ይውሃብ ከምዘሎ እውን ሲስተር ኣልማዝ ተኣምር ሓቢረን።

ብሕማም ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን ዝተጠቐዓ ኣደታት ተሓኪመን ክወልዳ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ዶ|ር መልኣኩ ኣብርሃ ይሕብሩ።

ንእስቲ ሰላማዊት ተስፉ እውን ፤ ኣብዚ ሆስፒታል ብዝተወሃባ ግልጋሎት ሕክምና ድሕሪ 2 ዓመታት ዳግም ክትወልድ ከም ዝኸኣለት ምስ ሙሉእ ታሕጓሳ ትገልጽ።

እተን ብ ምልቆ ማህጸን ን ዓመታት ይሳቐያ ዝነበራ ኣደታት እውን ለውጢ ከምዘለወን ተዛሪበን። ነቲ ድሑር ኣተሓሳስባ ፥ ” ሕፍረት ሓፍታ ንዕሽነት ” ኢለን ድሕሪ ምግላጽ ፤ ግዳያት ‘ዞም ሕማማት ንዝኾና ደቂኣንስትዮ ህጹጽ ሕክምና ንክረኽባ ከም ዘለዓዕላ ቃል ኣትየን።

ከም ሓበሬታ ዶ|ር መልኣኩ ኣብርሃ ፥ ጻዕቒ ስራሕ፣ ኣብ ገዛ ምውላድ ሲዒቡ ዘጋጥም ልዕሊ ዓቐን ዒሕታ ፣ ኣብ ግዘ መጥባሕቲ ዝኽሰት ስሕተት መጥባሕቲ ዶኳትር ፣ ልዕሊ መጠን ርጒዲ ኣደታት… ወዘተ ፡ ንሕማማት ፌስቱላን ምልቆ ማህጸንን ጠንቅታት እዮም።

በዞም ሕማማት ዝተጠቐዓ ኣደታት ሽንትን ፍታንን ክቆፃፀራ ከምዘዪኽእላን ህጹጽ ሕክምና እንተዘይረኺበን ድማ ንዝኸፈአ ስቓይ ከም ዝሳጥሓን ሓቢሮም።

ቅድሚ 20 ዓማውቲ ብ ኣውስትራልያዊት ገባሪት ሰናይ ፡ ዶክተር ኤሊኖር ካትሪን ሃምሊን ዝተመስረተ ማእኸል ሆስፒታል ሃምሊን ፌስቱላ መቐለ ፤ ካብ ትግራይ ብተወሳኺ ፥ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ፣ ኣብቲ ሕሉፍ እዋን ሰላም ድማ ካብ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ሓዊሱ ብኣሸሓት ዝቑጸራ ግዳያት እዚ ሕማም ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ግልጋሎት ሕክምና ከምዝሃበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኤፍሬም_ረደሀይ