Home ዜና ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ዩሮ ንልዕሊ ክልተ...

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ዩሮ ንልዕሊ ክልተ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝገብር ሓዱሽ መርሃ ግብሪ ሕውየት ዕላዊ ገይራ።

239

ማረት ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ልምዓት ጣልያንን ኦክስፋምን ብዝረኸበቶ ሓገዝ ኣብ 6 ወረዳታት ትግራይ ዝትግበር ሓዱሽ መደብ ሕውየትን ተፃዋራይነትን ንምጅማር ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ተጠቀምቲ ወረዳታትን ዕላዊ መኽፈቲ መድረኽ ኣሳሊጣ።

እቲ ምስ ቢሮ ሕርሻ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፣ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢትን ካልኦት መዳርግትን ብሓባር ዝስራሕ መርሃ ግብሪ ንወረዳታት ማይ ቅነጣል፣ ቀይሕ ተኽሊ፣ ስሓርቲ፣ ሳምረ፣ ሓውዜንን ፅራእ ወንበርታን ተጠቀምቲ ከም ዝገብር ተሓቢሩ።

ኣብ ምጥንኻር ሕርሻን ስነ ኣመጋግባን፣ ምጉልባት ቁጠባ ብኲናት ዝተሃሰያ ደቂ ኣንስትዮን ከም’ውን ምስ ትካላት ፋይናንስ ሓቢርካ ብምስራሕ ምርግጋዕ ዕዳጋ ኣብ ምፍጣር ትኹረት ዝገብር ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ዩሮ በጀት ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ እዚ መርሃ ግብሪ ን 2 ሽሕን 254 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ከምዝገብር ሓበሬታ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ የረድእ።