ብሄራዊ መሪሕነታዊ ምምዕርራይ ምግባር ሓደ መንገዲ መዋፀኦ ትግራይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ “ኣገብእ ንውሕስና ብሄር” ብዝብል ርእሲ መዋፅኦ ትግራይ ዝሓዘ ሰነድ ዕላዊ ገይሩ።እቲ ሰነድ ታሪኽ ትግራይ፣ ህልው ኩነታት ትግራይን መዋፀኦ ትግራይን ዝብሉ ሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዘ በዓል 45 ገፅ አዩ።
ነቲ ሰነድ ዘቕረቡ ኣባል ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ እቲ ሰነድ ከም ትግራይ ኣብ ከቢድ ናይ ህላወ ፀገም ስለ ዘለና ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ዝተወሰደ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ሰነድ መዋፅኦ ትግራይ ቀንዲ ፀገም ትግራይ ስትራቴጂያዊ መሪሕነት እዩ ካብ ዝብል ዝተበገሰ እዩ ኢሎም።
ብሄራዊ ሓደጋታት ምንፃር፣ ብሄራዊ ዓቕምታት ምውዳብ፣ ብሄራዊ መሪሕነታዊ ስግግር ምክያድን ብሄራዊ እማመታት ምሕንፃፅ ብሄራዊ ህላወ ንምውሓስ ቁልፊ መንገድታት እዮም ኢሎም።


ብሄራዊ ሓደጋታትን ጠለባትን ብዝርዝር ብምንፃር ንምፍትሖም ድልዊ ምግባርን ዛጊድ ዝተነፀሩ ሒዝካ ድማ ናብ ህፁፅ ወፍሪ ለውጢ ምእታው የድሊ ይብል እቲ ሰነድ።
እዞም ዝተወደቡን ኣብ ሓደ ኣጀንዳ ዝዓሰሉን ዓቕምታት ኢድ ኵሎም ኣካላት ዝዓረፈሉ ዓርሱ ዝኸኣለ ብሄራዊ እማመ ምሕንፃፅ ከምዘድሊ ገሊፆም።
እዚ ብሄራዊ እማመ፥ እማመ እታ ብሄር ክኸውንን ሕጋዊ ድጋፍ ክረክብን ምግባር ዘኽእል ምንቅስቓስ ኣብ ዝተገደበ ጊዜ ምጅማር የድሊ ድማ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ ፍፁም ልዝብ ተመስሪትካ፥ ብሄራዊ መሪሕነታዊ ምምዕርራይ ምግባር በዙይ ኣቢልካ ብሄራዊ ህላወ ምርግጋፅን ሓዱሽ በሪ ድሕንነት ምኽፋትን እዩ ኢሎም።
ሕዚ ምእንታ ሓበራዊ ረብሓን ብሄራዊ ህላወን ክንብል እንገብሮ ለውጢ፣ ዓቕምታት ዘየንጠባጥብ፣ ቂምታ ዝብሃል ነገር ዘጥፍእ፣ ብሄራዊ ስምረት ዝህብን ዘመናውን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ነዙይ ድማ ቀዳሞት ተጋሩ ንፀገማት፣ ጎንፅታትን ህዝባዊ ብድሆታትን ዝፈትሑሉ ኣገባብ መንገዲ ምጥቃም ከምዘድሊ ኣረዲኦም።
“ሓዊን ፅልእን ንዝቐርቦም የቃፅሉ” ብምባል ንፅልእን ቅርሕንትን ንምእላይ ስርዓት ቓንጭን ሓቅን ወጀራት ዒስራ ዓዲ፣ ኣለያ ጎንፅታት ማሕበረሰብ ጉሎመኸዳን ኢሮብን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ እውን ባህላዊ ዝኾኑ ኣፈታትሓ ጎንፅታት ምጥቃም ከምዘድሊ ገሊፆም።
ተሓታትነትን ሕድገት ንሕልናን ንታሪኽን ምግዳፍ ቅድም ቀዳድም ነታ ዓዲ ስለዝጠቅም፤ ጉባኤ ርክባት ጉዳይ ተሓታትነት ንብሄራዊ ልዝብን ምርድዳእን መሰረት ገይሩ ንክፍፀም ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም ኣይተ የማነ ዘርኣይ።

ንነበር መራሕቲ ዝወሃብ ብሄራዊ ክብሪ፣ ሞሳን ውሕስናን ኣብ ፖለቲካዊ ኾነ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝፀንሑ መራሕቲ ሰናይ መዕርፎን ውሕስ መዋፀኦን ክህልዎም ምግባር።
ከምኡ እውን ኣውራ ፀገም መንግስትነት ብምዃኑ ኣውራ መፍትሒ ድማ መንግስትነት ምጥያሽ ብምኻኑ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ የድሊ ኢሎም።
እዙይ ኣብ ምትግባር ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ፣ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት፣ ማሕበረሰብ ንግዲን ትካላት ሚድያን ዕዙዝ ግደ ክፃወቱ ዝፅውዕ እዩ።
ኣብ ዝቐረበ ሰነድ ኣመልኪቶም ሕቶን ሪኢቶን ዘቕረቡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝቐረበ ሰነድ ብምንኣድ ኣብ ተግባራውነቱ ግን ጥርጣረ ከምዘለዎም ገሊፆም።


ብፍላይ ብሄራዊ ህልውና ንምውሓስ ትካላት ኣብ ምህናፅ፣ መንእሰይ ወለዶ ዘሳተፈ ኣብ ምግባርን ንኲሉ ማዕረ ዕድል ኣብ ምፍጣርን ትኹረት ክግበረሉ ሓቲቶም።
ኣባል ቦርድ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ በዓል ሃፍቲ ኣየተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሰዓራይን ተሳዓራይን ዘይብሉ ዝሕደግ ሓዲግና ናይ መፃኢ ወለዶን ህላወ ትግራይን ንምርጋግፅ እዩ ኢሎም።
ዝቐረበ ሰነድ ድማ ናይ መወዳእታ ዘይኮነስ ተወሳኺ ዘተ ዘድልዮን ዝተላዕሉ ሪኢቶታት ተወሲኽዎ ናብ ተግባር ንኽኣቱ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዝኾነ ገሊፆም።



