Home ዜና ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ኣብ ኢንተርኔት ባንኪንግ...

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ኣብ ኢንተርኔት ባንኪንግ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራረሞም።

735

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለን ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ኣብ ተጠቃምነት ኢንተርኔት ባንኪንግ ብሓባር ንምስራሕ ሓበራዊ ስምምዕ ሰነድ ተፈራረሞም።

እቲ ሓበራዊ ስምምዕ ትካላት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ደሞዝ ይኹን ካልኦት ክፍሊታት ብዲጅታል ቴክኖሎጂ ክፍፅማ ዝኽእል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰነድ ሕድ ሕድ ክፍሊት ካብ ሰብ ንኽክእ ወፅዩ ብባንኪ ክኸውን ዝገብርን ስራሕ ዘቅልልን ምዃኑ ገሊፀን።እዚ ሲስተም ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ክውዕል ሓላፍነት ክንወስድ ኢና ኢለን።

ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ኤልያስ ልሳነወረቅ እዚ ሲስተም ካብ ወረቀት ዘይወፀ ስራሕቲ ፋይናንስ ናብ ቴክኖሎጂ ክኣቱ ዝገብር እዩ ኢሎም።

ከም ትግራይ 80 ሚኢታዊ ማሕበረሰብ ብዲጂታል ዝጥቀም ኮይኑ እቲ ዝቐረየ 20 ሚኢታዊ ናይ ዲጂታል ባንኪንግ ተጠቃሚ ንምግባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ዲጂታል ኣገልግሎት ዕቋርን ልቓሕን “ሲቢኢ በእጄ” ክሳብ 150 ሺሕ ብር ዝኸውን ልቓሕ ብዘይ መትሐዚ ንምርካብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከምዝተጀመረ ኣበሲሮም።

እቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ድማ ናይ ትካላት ሰራሕተኛታት ወርሓዊ መሃያ ብሲቢኢ ብር ንምኽፋል ስምምዕነት ክፍፅሙ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ሎሚ ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ግን ዲጂታል ኣገልግሎት ዕቋርን ልቓሕን ዘየሓውስ ኮይኑ ኣብ ቀፃሊ ስምምዕ ሰነድ ከምዝፍረም ገሊፆም።

#ይብራህ_እምባየ