Home ዜና ናይ ምውራር ባህግን ድሌትን የብልናን – ፕረዚደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

ናይ ምውራር ባህግን ድሌትን የብልናን – ፕረዚደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

1405
0

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ”ዕላማና  ህዝብን መሬትን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፋሽስታውያን ወረርቲ ሓራ ምውፃእ ደኣ እምበር መሬት እንዳማትና ምውራር ኣይኮነን“  ኢሎም፡፡

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንእዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓደ ጉዳይ ኤርትራ እዩ፡፡ ፕረዚደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር) ኣብ መግለፂኦም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጃንዳ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝፈፀሞ ዘስካሕክሕ ገበን ጀኖሳይድ ማእዝኑ ንምስሓት ‘ወያነ ክወርካ እዩ’ እናበለ ዝገብሮ ዘሎ ካብ ፍርሒ ዝነቐለ ወፍሪ ሓሶት ንወላ ሓደ ከደናግር ኣይክእልን ኢሎም፡፡ ሕዚ እውን ”ዕላማና  ህዝብን መሬትን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፋሽስታውያን ወረርቲ ሓራ ምውፃእ ደኣ እምበር መሬት እንዳማትና ናይ ምውራር ባህጊ የብልናን“ ኢሎም፡፡   

ሕዚ እውን መሬት ትግራይ ብሓይሊ ጎቢጡ ሒዙ ህዝብና ዘበሳብስ ዘሎ ዕስለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ዝፀውዑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል እንተኾነ ግን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝፈፀምዋ ሕድሕድ ገበን ክሕተቱሉ እዮም ኢሎም፡፡

ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሕዚ እውን ተወሳኪ መሬት ትግራይ ንምውራር ተኲታኺ ተግባራቱ እኳ እንተቐፀለሉ ኣብ ዘተኣማምን ቁመና ብዝርከብ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ግና ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝተወሰደሉ ዶክተር ደብረፅዮን ወሲኮም ኣብሪሆም፡፡

ብፀጋይ መኮነን   

Previous articleምቁራፅ ግልጋሎት ሕክምና ሆስፒታል ኲሓ
Next articleምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢ