Home ዜና ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕንነቶም ንክሕሎ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት...

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕንነቶም ንክሕሎ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሊኢኾም።

517
0

ብሰንኪ ኣብ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድሕንነቶም ናብ ዝሕለወሉ ቦታ ንከስጋግሮም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቶም።

ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፍዎ ዕላዊ ደብዳበ፤ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከቢድ ስግኣት ድሕንነት ዝርከቡ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምሕጋዝ ዋላ ሓደ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ኣፍሊጦም ክብልMiddle East Eye ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

ቡዙሓት ስደተኛታት በቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋዕ ቡዙሕ ሓሳረ መከራ የሕልፉ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ፣ ላዕለዋይ ኮሙሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ንዝርከቡ ስደተኛታት ክሕግዝ ከምዘይክኣለ ኣመልኪቱ።

ሕዚ እውን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምህላዉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክበፅሐሎምን እውን እቶም ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ፀዊዖም ክብል ሚድል ኢስት ኣይ ፀብፂቡ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ወራርን ካልኦት ምኽንያታትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ በቲ ዝቕፅል ዘሎ ዘይምርግጋዕ ኣብ ሱዳን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Previous articleዑደት ኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ትግራይ
Next articleመግለፂ ዉድብ ምግቢ ዓለም