ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ፌደራል ክግበር ዝፀንሐ ምሕዳስ ሲስተም ስዒቡ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ብኦንላይን ዝግበር ምዝገባን ምሕዳስን ፓስፖርት (ኢ-ፓስፖርት) ፤ ፅባሕ ሕዳር 19/2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መቐለ ዳግም ከም ዝጅምር ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ጨንፈር ቤትፅሕፈት ኣይተ ምትኩ ታከለ፥ እቲ ትካል ብምኽንያት ምቁራፅ እቲ ግልጋሎት ኣብዚ ክልተ ወርሒ ክረኽቦ ዝግባእ 24 ሚሊዮን ብር ክስእን ከም ዝተገደደ ገሊፆም።
እቲ ዳግም ዝጅመር ዘሎ ኣገልግሎት ሓዱሽ ምዝገባ ፓስፖርት፣ መዓልቲ ኣገልግሎት ንዘብቅዐ ምሕዳስ ኢሉ እውን ንዝጠፍኦም ድማ ዳግማይ ምትካእ ዘካትት ምዃኑ ሓቢሮም።

ተገልገልቲ ዘድልይዎም መለለዪ መንነት ፋይዳ፣ መረዳእታ ልደት ፣ ዝተሓደሰ መለለዪ መንነት ብምሓዝ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን https://www.ethiopianpassportservices.gov.et/ ብምእታው ኣብ ዘለውዎ ኾይኖም ምምዝጋብ ከም ዝኽእሉ ገሊፆም። እቲ ኣገልግሎት ዳግም ምጅማሩ ኣብ ተገልገልቲ ዝበፅሕ ዝነበረ ገልታዕታዕ ዘትርፍ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን ሕብረተሰብ ሒዝዎ ዘሎ መለለዪ መንነት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝወፀ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብኦንላይን ዝግበር ህፁፅ ምዝገባ ፓስፖርት ከም ዘየለ ዝገለፁ ኣይተ ምትኩ፥ ህፁፅ ፓስፖርት ክንህበኩም ኢና ብዝብል ካብ ሕብረተሰብ ገንዘብ ዝወስዱ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣገንዚቦም። ሕብረተሰብ ድማ ካብ ከምዚ ዓይነት ምትላል ዓርሱ ክሕልው ፀዊዖም።
ብቐፃልነት ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዝርራብ ምዝገባ ህፁፅ ፓስፖርት ኣብ ትግራይ ንምጅማር ከም ዝስራሕ ገሊፆም።
ብኦንላይን ተመዝጊብካ ዝወፅእ ፓስፖርት ክፍሊቱ በቲ ዝፀነሐ ዋጋ 5000 ብር ኮይኑ ን10 ዓመታት ዘገልገል ምዃኑ ሓቢሮም።



