Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ተጀሚሩ

ኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ተጀሚሩ

1063
0

ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ኣብ ከተማ መቐለ ላዕለወት ኣመራርሓ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዝምልከቶም ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ዘተረኸብሉ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡

ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ብዘሎ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ግቡእ መከላኸሊ ቫይረስ ኮረናን ካልኦትን ኣብ ዘይብሉ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብቫይረስ ኮረና ከይጥቃዕ ዘኽእል ክትባት ንምሃብ ብምትሕብባር ትካል ዉድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ዝተረኸበ ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ምጅማር ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ተረኺቦም እዮም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ  እቲ ክታበት ብልዑል ፃዕሪ ትካል ዉድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ዝተረኸበ ከም ዝኾነን በዙይ ድማ እቶም ትካላት ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ብምንኣድ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ከም ዝወሃብን መላእ ሕ/ሰብ አዙይ ፈሊጡ ዓርሱ ካብ ቫይረስ ኮረና ንምድሓን ክኽተብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኦፕሬሽናል ማናጀር ዉድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ትግራይ ማይክል ማዋንዳን መተሓባበሪ ዩኒሴፍ ጨንፈር ትግራይ ማረዮ ፉዮሮቲን ትካሎም ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ብምትሕብባር ህዝቢ ትግራይ ክትባት ቫይረስ ኮረና ክረክብ ምኽኣሉ ከም ዝሐጎሶሙን ብቐፃልነት ድማ ኣጠናኸሮም ከም ዝሰርሕሉ ገሊፆም፡፡

ክትባት ቫይረስ ኮረና ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ክወስዱ ዝረኸብናዮም መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሙሉእ ዕፅዋን ክባን ኮይኖም እዚ ክታበት ምርካቦም ከም ዝነኣዱን ህዝቢ ትግራይ ነዙይ ወርቃዊ ዕድል ክጥቀመሉ ምዒዶም፡፡ ዛጊድ ንልዕሊ 1.6 ሚልዮን ህዝቢ ዝኣክል ክትባት ቫይረስ ኮረና ጆሶን ኤንድ ጆንሶን መፅዩ እዩ፡፡

ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዕለት ኣርባዕተ ሓምለ ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ክለተ ሰሙናት ኣብ 92 ናቑጣታት ክወሃብ እዩ፡፡ ካብ ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ኩሉ ክኽተብን ተደራራቢ ሕማም ንዘለዎሙን ብዕድመ ዝደፍኡ ወገናትን ድማ ቅድምያ ከም ዝወሃብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleጀኖሳይድ ትግራይን ስሉስ ኩርናዕ ዘራያትን 5ይ ክፋል
Next articleግህሰት ሰብኣዊነት ኣብ ኤርትራ