Home ዜና ኣብ ዘፈር ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ትግራይ 5 ቢሊዮን ዶላር ዕንወትን ክሳራን ከምዝበፅሐ...

ኣብ ዘፈር ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ትግራይ 5 ቢሊዮን ዶላር ዕንወትን ክሳራን ከምዝበፅሐ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ገይሩ።

68

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ጀኖሳይድ ኲናት ትግራይ ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት ዝበፅሐ ዕንወትን ክሳራን ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ የማነ ዘርኣይ ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ክስብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ትግራይ 5 ቢሊዮን ዶላር ዕንወትን ክሳራን ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

እቲ ዕንወት ኣብ ማይን ፅሬትን፣ መንገድን መጓዓዝያን፣ ቤት ማዘጋጃ፣ ኢነርጂን መብራህትን፣ ሚድያን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዘጠቓለለ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዘፈር ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ትግራይ 2 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ዶላር ዕንወት እንትኾን፤ 2 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ዶላር ድማ ኪሳራ እዩ በፂሑ ኢሎም።

ኣብ ማይን ፅሬትን ዝበፅሐ ዕንወት እቲ ዝለዓለ እዩ ዝበሉ ኮሚሽነር የማነ፤ 1 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ንስእነት ፀገም ማይ ክሳጣሕ ተገይሩ እዩ ኢሎም።

ኣብ መንገድን መጓዓዝያን 1.5 ቢሊዮን ዶላር፣ ኣብ መንግስታዊ ሚድያን ኣይሲቲን ቴሌኮሙኒኬሽንን ድማ ልዕሊ 326 ሚሊዮን ዶላር ዕንወት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ቴሌቪዥን ትግራይ፣ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ትግራይ፣ ድምፂ ወያነን ኤፍ ኤም መቐለን ዕንወትን ኪሳራን ካብ ዝበፅሖም ትካላት ሚድያ እዮም ዝበሉ ኮሚሽነር የማነ ኣብዙይ ዘይተኻተቱ ዕንወት ዝበፅሖም ናይ ውልቀ ትካላት ሚድያ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቲ ዕንወት ብመን ተፈፂሙ ንዝብል ብሚኢታዊ ንምቕማጥ መፀገሚ ከምዝኾነ ኮሚሽነር የማነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንጅነር ዳንኤል ሓጎስ ብወገኖም፥ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘለዉ ከባብታት ገጠር ሓዊሱ 84 ከተማታት ዘጠቓለለ ኾይኑ፤ ኣብ መስተ ማይን መስኖን በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ፣ መንገድን መጓዓዝያን፣ ኤሌክትሪክ ዓብዪ ዕንወት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ብፍላይ ፅሩይ መስተ ማይን መስኖን፣ ኣብ ስራሕቲ መንገድን መጓዓዝያን ዝነጥፉ ትካላት፣ ቤት ማዘጋጃ፣ መንግስታዊ ናይ ኮንስትራኽሽን ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣባይቲን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖም እዮም ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ተፈናቐልቲ፣ ፆታዊ ጥቕዓት፣ ማሕበራዊ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮን ማሕበረ ኢኮኖሚን መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

ይብራህ_እምባየ