Home ዜና ኣብ ጣብያ ያቔር እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ትዕዝብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ

ኣብ ጣብያ ያቔር እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ትዕዝብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ

339

መቐለ፥ሓምለ 30/2017 ዓ.ም.(ቴሌቪዥን ትግራይ)

ጣብያ ያቔር ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ካብ ዝርከባ ጣብያታት ሓንቲ ኾይና ኣብ ማእኸል ሩባ ተከዘን ገረብ ግባን ተሓፂሩ ግን ድማ መእለያ ዘይብሉ ፀገማት ከሕልፍ ዝተገደደ ህዝቢ እዩ።

ቅድሚ ሐዚ መብዝሕቲኡ ግዜ ብሃፍቲ እንስሳ ሓሓሊፉ ድማ ብሕርሻ ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ጣብያ ያቔር ሎሚ ዘበን ክራማት ጥብ እትብል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ኣብ ሓያል ድርቒ ተጠቒዑ ይርከብ።

በዙይ ድማ ህፃናት ብሕማም ይሳቐዩ ኣለው፤ ሽማግለታትን፣ኣዴታትን ብጥምየት ይሞቱ ይሳቐዩ፣እንስሳት ብስንኪ ድርቒ ትብላዕ ሲኢነን በብዕለቱ ኣብ ቅድሚ ዓይንካ ይሞታ፣ሓረስታይ ኢዱ ሒዙ ዝፈትወን እንስስኡ ይስእነን ከምዘሎ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ናብቲ ከባቢ ተጓዒዙ ንነበርቲ ሓቲቱ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ህፃናት ብተላባዳይ ሕማም እናተሳቐዩ፣ ድምፂ ብኽያትን ስቓይን ምስማዕ ኣዝዩ የሐመካ ጥራሕ እንተይኾነስ፣ኸይዶም ዝሕከምሉ ጥዕና ጣብያ ብዘይምህላው ፀገሞም ክጋደድ ይገብሮ።

ተሓራሳይ መሬት ያቔር ብሰንኪ ስአነት ዝናብ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ተገልቢጡ ተሓሪሱ፣ሐዚ እውን ምንም የለን፣ክራማት ኾይኑ ግን ዝበቆለ ዝራእቲ የለን፣ ዝበሉ ሓረስቶት ጣብያ ያቒር ብህፁፅ መንግስታዊ ዘይመንግስታውን ኣካላት ክበፅሕልና ይግባእ ኢሎም።

እተን ኣብ ጣብያ ያቔር ዝተጠቐዓ ቑሸታት ድማ ያቔር፣ፀቦን ጫማይን እየን። ኣብ መደውብቲ እዘን ከባቢታት ዝኾና ገለ ጣብያታት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ እውን በዚ ድርቒ ተጠቒዐን ከምዘላዋ ተገሊፁ።

ኣብዚ ዘመን እዚ ኣዴታት ያቔር መንገዲ 7 ስዓት ተጋዒዘን ማይ የምፅኣ፣ ሐዚ ግን ብሰንኪ ድርቒ ማይ ዘምፅእሎን ዝነበሩ መፅዓኛታት ሞይቶም ብስእነት ማይ ኣብ ፀገም ወዲቕና ንርከብ ክብላ ጫፍ ፀገመን ገሊፀን።

ጥሕኖ ብኢደን ይጥሕና፣ሓራሳት ብቓሬዛ ናብ ሆስፒታል ብመንኣሰይ ይውሰዳ ፣ሐዚ ግን ናብ ጣብያ ጥዕናታት ዝውስድወን ዝነበሩ መናእሰይ ካብ ዓዲ ለቒቆም ተሰዲዲም፣ ዕፃና ሐዚ ኣብ ገዛ ምሟት ኾይኑ ኣሎ ይብላ ኣዴታት ያቔር ኣብ ዝሃባና ሪኢቶ። ስለዚ ከም ህዝቢ ከይጠፍእና ኩሉ ብህፁፅ ይብፀሓልና ክብሉ ድማ ነበርቲ ጣብያ ያቔር ፃዊዒቶም ኣቅሪቦም።

ብሰንኪ እቲ ድርቂ አንስሳት ይሞታ፣ሓረስቶት ጣብያ ያቔር ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ሃፍተ ገነቶም፣ሓሪሶም ዘብልዕዎም ሸይጦም፣ ደቆም ዘዕብይሎም እንስስኦም ዝብላዕ ስኢኖም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ይሞቱ፣ዝተረፉ እውን ይጋዓሩ ኣለው ይብሉ።

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቔር ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቒ ክሳብ ሕዚ 22 ሰባት ብጥምየት ከምዝመቱ ሓላፊ ዘፈር ቑጠባ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣይተ ገይቶኦም ገብረሃወርያ ገሊፆም።

700 ሄክታር ዝተዘረአ መሬት ብስንኪ ሕፅረት ዝናብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝጠፈአን፣ 27 ሽሕ እንስሳ ድማ ብድርቂ ከምዝሞታን ሓቢሮም።

ከም ወረዳ ቆላ ተንቤን ነቲ ድርቂ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ቴክኒካል ኮሚቴ ተጣይሹ ዝምልከቶም ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣መንግስታዊ ማሕውርን መላእ ሕብረተስብን ድጋፍት ናይ ምትእክካብ ስራሕቲ እናተሰረሐ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም። ስለዚ ኩሎም መድረግቲ ኣካል፣ሕብረተስብን መንግስትን ንህዝቢ ያቔር ከም ህዝቢ ከይንስእኖ ብህፁፅ ክበፅሑሉ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ህዝቢ ያቔር ኣብ መዋእሉ ፀገማቱ ዝናገረሉ ሚድያ ናብቲ ከባቢ መፂኡ ኣይፈልጥን፣ መንገዲ ሽድሽተ ስዓት ተጓዒዙ ግልጋሎት ጥዕና፣ዕዳጋን ካልኦት ግልጋሎታትን ይረክብ ኣዝዩ ዘሕዝን ህዝቢ ምዃኑ ውልቃዊ ትዕዝብትታት ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥይን ትግራይ እዩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቔር ንዘጋጠመ ድርቂ ህፁፅ ሓገዝ ክግበር ውሳነ አሕሊፉ ኣሎ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኮምሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቔር ዘጋጠመ ድርቅን ኣብ ሰብን እንስሳን ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ሓፂር ዳህሳሳዊ ሪፖርት ዓሚቕ ምይይጥ ብምክያድ መፍትሒ ኣንፈታት ምቕማጡ እውን ይዝከር።

ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ብወገኑ ህፁፅ ፍታሕ ንምግባር ፃዕሪ ይገብር ኣለኹ ክብል ገሊፁ።

ኣብ ጣብያ ያቔር ዘሎ ፀገም ብህፁፅ ንምፍታሕ ብነዊሕ ድማ ዘላቒ ፍታሕ ዘርክብ ፃዕርታት ክካየድ ከምዝግባእ መልእክትና እዩ።

#ገ/ሄር_ገዳሙ