Home ዜና ከባብታት ዶግዓ ተምቤን ዓለምለኸ ጅኦፓርክ ኮይኖም ናብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ይስራሕ ኣሎ።

ከባብታት ዶግዓ ተምቤን ዓለምለኸ ጅኦፓርክ ኮይኖም ናብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ይስራሕ ኣሎ።

53

“ኣስፓየሪንግ ጅኦፓርክ ዶግዓ ተምቤን” ዓለምለኸ ጅኦፓርክ ኮይኖም ናብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቱሪዝም ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ምስ ትካል ዓለምለኸ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (UNESCO) ብምዃን ኣርባዕተ ቦታታት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ሃፍተ ገነትን ፅንዓትን መሰረት ከም ዓለምለኸ ጅኦፓርክ ኮይኖም ብትካል ዓለምለኸ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ክምዝገቡ ሓርዩ እዩ።

በዙይ መሰረት “ኣስፓየሪንግ ጅኦፓርክ ዶግዓ ተምቤን” ናብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ብክልል ደረጃ ዓብይ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ተገሊፁ።

ንዝሓለፋ ዓመታት ሰፊሕ መፅናዕትን ምርምርን ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ምሩፅ ሓጎስ ትግራይ ብጅኦ ሄሪቴጅ፣ ጅኦቱሪዝም፣ ጅኦፓርክን ካልኦትን ብጣዕሚ ሰፊሕ ሃፍቲ ከም ዘለዋን ናብ ልምዓት ብምልዋጥ ማሕበረሰቡ ክጠቅም ከም ዝኽእል ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ሃይለማርያም መዓዛ ብወገኖም፥ ከባቢታት ዶግዓ ተምቤን ንጅኦፓርክነት ብጣዕሚ ምችው ከባቢ ከም ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብር ስለ ዝኾነ በቲ ተሓሲቡ ዘሎ ፕሮጀክት ክርባሕ ከም ዝኽእል ኣረዲኦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ክሳብ ሕብረተሰብ ወሪዱ ክስረሐሉን ከይዲ ምዝገባኡ ብቅልጡፍ ክሳለጥ ከምዝኾነ ካብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።