ክብረ በዓላት #ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪን ሕነጊደይ ፀሞረይ ክብሮምን ትውፊቶምን ዓቂቦም ከመይ ናብ ወለዶ ይሰጋገሩ ኢልና ኣብ ዘልዓልናዮ ሓሳብ ንዝተሳተፍኩም እንዳ ኣመስገና ሪኢቶታትኩም ከምዚ ዝስዕብ ተጠሚሩ ኣሎ።
#ኣሸንዳን፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪን ሕነጊደይ ፀሞረይ ማዕረ ኣፍልጦን ሽፋን ሚድያን ክወሃብ፣ሃይማኖታውን ባህላውን መበገሲ ዘለዎም በዓላትና ኣከባብርኦም እውን ንሱ ኣብ ግምት ከእቱ፣ህዝባዊ በዓላት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንኽክእ ናፃ ኮይኖም ክበዓሉ ፣ኣሸንዳ ጥንታዊን ባህላዊን ትሕዝቶኡ ከይስሓተ ክኽበር፣
ትኹረትና ኣብ ከተማ ጥራይ ከይኮነስ ገጠር እውን ክሓውስ፣ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ሚድያታት ብዝግባእ ክስንዳን ናብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዘሎ ምንቅስቓስ ሓገዝቲ ክኾናን ዝብሉ እዮም። ካብኣቶም መምህር ሳሚኤል ረድኢ ዝበልዎ ከነካፍል፦

ብቐዳምነት ንትግራይ ቴሌቪዥን ባህላዊ ምስጋናን ኣገናዕን ክብሎ እፈቱ፡፡ ከመይሲ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፅቡቕ ክራማት ተሰንዩ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ንብዙሓት ኣሽሓት ውልቀሰባትን ክፋላት ማሕበረሰብን ልዕሊ ምስታፍ ጉጅለታት ኣሸንዳ ደቅኣንስትዮ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደረፍቲ ከከም ደረጅኡ ብምውድዳር ሸሊሙን ኣተባቢዑን ’ዩ፡፡
ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ባህልናን ሓድግናን ንዓቅብ፣ ዓቂብናውን ክብርታትናን ትውፊታትናን ከምቲ ‘ሕሉፍ ዘይብሉ መፃኢ የብሉን’ ዝብሃል ሰንሰለት ኮይኑ ‘ንወለዶታት ክሰጋገር እንታይ ኣገባብ እንተተኸተልና ይምረፅ ትብሉ?’ ዝብል ረዚን ሓሳብ ምልዓሉ ክምስገን ዝግብኦ’ዩ’ሞ ኣነ’ውን ገለ ነገር ክብል መረፅኩ፡፡
‘ኩሉ ይሓልፍ ዘይሓልፍ ባህልን መንነትን ጥራሕ’ዩ’ ብዝብል ብሂል ክጅምር፡፡ ባህሊ ብሓፈሻ ‘ውቕዮ ወይ ፍረፃማ ልምዓት፣ ማሕበራውን መንፈሳዊ/ሕልናውን ዋኒናት’ዩ’፡፡ እዚ ካብ ኮነ ድማ ኣሸንዳ ከም ሓደ መግለፂ ባህልና ከምሻሙ/ከም እንደነገሩ ተባሂሉ ንደቅኣንስትዮ ተገዲፉ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ዑቱብ ኣቓልቦ ዝሓትት’ዩ፡፡ ከመይሲ ኣሸንዳ መርሓዊ፣ ኣተናዊ፣ እምነታዊ፣ ህርታዊ፣ ትመታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ነገረ-ጥበባዊ፣ ባህለ-ሓድጋዊ፣ ባህለ-እጀታዊ፣ ተጓርኖኣዊ፣ ፅልዋዊ፣ እድብናዊ፣ ቦካር/መበቆላዊ፣ ታሪኻዊ፣ ሰንደቓዊ፣ ወጅሃዊ፣ ተመስጦኣዊ፣ ስነ-ፅባቒያዊ፣ ዝኽራዊ፣ ወዘተ ወዘተ ወዘተ ስለዝኾነ፡፡

ነዞም ዝጠቐስኩዎም ረዘንቲ ቃላት ባህሊ ክጠቅስ እንከለኹ ንምእንተ ምጥቃስ ኢለ ዘይኮነስ ኣሸንዳ ከም ሓደ ኣካል ባህሊ ርዝነቱ ዝዓሞቐ ንምዃኑ ንኸተንብህ’ዩ ቅድም ክብል ኣብ ኣደባባያት ኣብ ስታድዮም እናተፀምበለ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ዋላኳ ንሃልኪ መራኸብቲ ብዙሃን ኮነ ከም ንናይ ደገ ኣጋይሽ ገለ ነገር ዘበርክቶ ከምዘለዎ ዝክሓድ እንተዘይኮነ ምስዚ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣልዒልዎ ዘሎ ‘ጉዳይ ክብርታትን ትውፊታትን’ ግን ሰፊሕ ክፍተት ዘለዎ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ከመይሲ፡-ኣሸንዳ ናይ ሓፋሽ’ዩ! ደራስን ተደራስን፣ ደቅኣሸንዳ/ወደስትን ተወደስትን፣ ነቐፍትን ዝንቀፉን፣ መድረኽ ዘየምትን ተመልከትን ካልእ ቦታ የብሉን፡፡ እንኮ ቦትኡ በይናዊ መድረኹን ኣደራሹን ኣብ መንበሪ ማሕበረሰብ’ዩ፡፡ ኣብተን ፀበብቲ መንገዲ ብሎካት’ዩ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ገዛ’ዩ! ዓበይቲ ኣቦታት፣ ኣዴታት፣ አሕዋት፣ ኣሓት፣ ንኣሽቱ ህፃናት፣ ኣብ ዓራት ዘሎ፣ ኣብ ስራሕ ዝወፍር እዩ እቲ ተደራሳይ፡፡
ኣብ ኣደባባይን ስታድዮምን ክፅምበል እንከሎ ኣብ መንገሪ ገዛውቲ ቅነ ኣሸንዳ ኣይመስልን ከበሮ ኣይድመፅን ጥራሕ ዘይኮነስ እተን ንኣሽቱ ነቲ ትውፊት ዝወርስኦ ህፃናት ዝመሃርኦ ነገር ወይ ኣገባባት የለን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ኣሸንዳ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክፅምበል እንከሎ ገዛውቲ ይዕምር ይደምቕ፣ ኣዴታት ተሞክርአን የካፍላ፣ ህፃናት እናርኣያ ይመሃራ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ባህልና ዝጠልቦ ህያባት ገንዘባዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ነገራዊ ህያባት ካብ መንበሪ ገዛ’ዩ ዝልገስ፣ ዓሚ ምስአን ዝወዓለት ሎሚ ዓመት ብመርዓ ኮነ ብካልእ ነገር ዓዲ ንዝወዓለት ዘበራትዓሉ ኣብ ገዛውቲ’ዩ ወዘተ ወዘተ ምናልባት ውዳበ የድሊ’ዩ እንተተባሂሉውን ነፍሲወከፍ ወረዳን ጣብያን ኣብ ትሕቲአን ንዘለዋ ቀጠናታት ግዲአን ክፃወታ ግቡእ’ዩ፡፡


ስለዝኾነ ድማ ኣሸንዳ ከምቲ ንቡር ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ይኹን ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘለኒ፡፡ እዚ ከምዚ ኮይኑ ድማ ካብተን 3 መዓልታት ወፃኢ (ኣብ ራብዓይ መዓልቲ/5ይ መዓልቲ ክኸውን ይኽእል) እንተስ ብመልክዕ ውድድር ካብ መቐለን ከባቢኣን ይኹን ካብ ወረዳታት ብደረጃ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ምክያድ ይከኣል (ብመሰረቱ’ውን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ነዚ ኩሉ እንብሎ ዘለና በዓል ዋና ስለዝኾነ)
ቅድሚ ቅንያት ኣሸንዳ ድማ ኣገባባትን ኣተገባብራ አሸንዳን ዝምልከት በተን ተሞክሮ ዘለወን መምሃራና ብትግራይ ቴሌቪዥን ንቡርን ዘይንቡርን ኣመልኪተን ብምድግጋም ተሞክሮአን እንተዘመሓላልፋ (ኣብዚ ከይፅሕፎ ከይሰፍሓኒ ብዙሓት ዘይልሙዳት/ዘይንቡራት ስለዝረኣዩ) እዚ ማለት ኣቋንና፣ ኣልባሳት፣ መጋየፂታት፣ ዕድመ፣ ጫማ ኣብ ደርፍታት ቅደም ሰዓብ ወዘተ ወዘተ ዋላኳ ክውስን መዝነተይ እንተዘይኮነ ዝቐርቡ ወረቓቕቲ ኣብ ቅንያት ኣሸንዳ መንፈሳዊ ኮነ ባህላዊ ብቀለማውያን እዩ፡፡


ኣብቲ ሙሉእ ቅንያት ኣሸንዳ ጋዜጠኛታት ቀለብ ዓመቶም ክምእርሩ እናዞሩ በቢ ከባቢኡ ምስናድ ብዝተረፈ ንዘሕለፍኩሞ ፃውዒት ርኢቶ እናኣመስገንኩ ‘ኣሸንዳ ሰረት ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን’ ይኹነልና !



