Home ዜና ኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ውዕሊ ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ...

ኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ውዕሊ ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ዝትግበር ዝተውሃቦ ተልእኾ ዕማም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ተናዊሑ ።

535
0

ንስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስዒቡ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ዉዕሊ ክከታተል ዕማም ዝተዉሃቦ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ቁፅፅር፣ክትትልን ምርግጋፅን እቲ ሕብረት ዕማሙ ክናዋሕ ከም ዝተገብረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰንን ብሓባር ኣብ መቐለ ምብፃሕ ድሕሪ ምግባሮም ምስ ኮሚቴ ቁፅፅር ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዝተራኸቡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ገፅ ትዊተር ገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደራት ምስ ኮሚቴ ቁፅፅር፣ክትትልን ምርግጋፅን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ውዕሊ ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ኣብ ተግባር ዝውዕል ዝተውሃቦ ተልእኾ ዕማም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ክናዋሕ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ቁፅፅር፣ ክትትልን ምርግጋፅን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሪፖርት ብወገን ትግራይ ክፍፀም ዝተዉሃቦ መደባት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ እናተፈፀመ እኳ እንተኾነ ካብ መከላኸሊ ሃገር ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፁ ምርግጋፁ ይዝከር።

Previous articleኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊፁ።
Next articleህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ሓሸባ