Home ዜና ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ሓሸባ

ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ሓሸባ

532
0

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሓሸባ ሱዳን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብቁልጡፍ ክትግበር ዝፅዉዕ ሰልፊ ተሳሊጡ። ኣብቲ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ተጋሩ ዝተረኸቡ ኾይኖም ናብ መረበቶም ብዘይ ወዓል ሕደር ክምለሱ ሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ ሞንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተፈረመ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ተግባር ከይተሸረፈ ንልዕሊ ሸዉዓተ ወርሒ ምድንጓዩ ዘቖጠዖም እቶም ስደተኛታት ተላዘብቲ ኣካላት ናብ ተግባራዊ ስራሕ ክኣትዉ ኣተሓሳሲቦም።

ብሰንኪ ምድንጓይ ትግበራ እቲ ዉዕልን ኣብ ሱዳን ብዝተወለዐ ውግእን ድማ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ከምዝተቓልዑ ኣብ ዘሳለጥዎ ሰልፊ ሓቢሮም።ኣብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ቀረብ ዝስተ ማይ ንልዕሊ 40 መዓልትታት ከምዝተቛረፀ TMH ብኣካል ተረኺቡ ንምርግጋፅ ኪኢሉ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓዲገናና ወፅየን እየን ዝበሉ እቶም ስደተኛታት ብዘላቕነት ካብ ተፀባይነት ንክንወፅእ ናብ መረበትና ክንምለስ ኢና ንደሊ ኢሎም።

ድሕሪ ምጅማር ጄኖሳይድ ኲናት ትግራይ መረበቶም ራሕሪሖም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ልዕሊ 70 ሽሕ ተጋሩ ናብ ዓዶም ብዘይወዓል ሕደር ክምለሱ ዝፅዉዕ ደብዳበ ሎማዓንቲ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ምልኣኾም ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ፤ እቲ ሰልፊ ንካልኣይ ግዘ ዝተኻየደ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ ሰልፊ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ንህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ንዘርአይዎ ሓልዮትን ምሕዝናን ምስጋና ከም ዘቕረቡ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ፀብፂቡ።

Previous articleኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ውዕሊ ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ዝትግበር ዝተውሃቦ ተልእኾ ዕማም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ተናዊሑ ።
Next articleጉዳይ ውራ መሬት ከተማ መቐለ