Home ዜና “ወራር ብርሰት ብዝግባእ ንምምካት ኩሉ ይረባረብ!!”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

“ወራር ብርሰት ብዝግባእ ንምምካት ኩሉ ይረባረብ!!”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1954
0

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

*************************

ወራር ብርሰት ብዝግባእ ንምምካት ኩሉ ይረባረብ!!

***************************

ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ቅድሚ ሕዚ ጀሚሮም ዘይዛዘምዎ ወፍሪ ጀኖሳይድ ብምጥንኻር ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ንምጥፋእ ኩሉ ዓቕምታቶምን ተኽእሎታቶምን ኣዋዲዶም ይረባረቡ ኣለዉ። ናይ ጥፍኣት ዕላምኦም ሙሉእ ብሙሉእ ንምትግባር ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ፋሕፋሕ ኢሉ ክበታተንን ክበርስን ዘኽእሎም ደብዳባት ነፈርቲ፣ ከቢድ ብረትን ተወንጫፍን ካብ ምክያድ ብተወሳኺ እግሮም ኣብ ዝረገፅዎም ከባብታት ኣረሜንያዊ ጨፍጫፍ እናካየዱ ይርከቡ። ባህርን መንነትን ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብዝግባእ ዝፈልጥን ዝርዳእን ህዝቢ ትግራይ ግን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድነቱ ኣስጢሙን ግንባርን ደጀንን ረቢቡን ብፅንዓት ይገጥሞም ኣሎ።

ሓየት ሰራዊትና ‘’ድፋዕ ህልውናና ኣይነስበርን’’ ዝብል እምነትን ሕድርን ወኒኑ ብዝገርም ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን እናተዃሽሐ ታሪካዊ ተጋድሎ የካይድ ኣሎ። ንቐፃሊ እውን እንተኾነ ዋሕስ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ እዩ። ነዚ ድማ ዕድመኡ ንምግዳል ዝበፅሐ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ናብ ምግዳል ክዓስልን ኣብ ጎኒ ጀጋኑ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኮይኑ ታሪኽ ክሰርሕን ይግባእ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዘሎ ሕድሕድ ተወላዲ ትግራይ ቅድሚ ሕዚ የካይዶ ዝነበረ ተሳትፎ ዝያዳ ብምሕያል ኣብዚ ናይ ህልውና መኸተ ብዝለዓለ ብርኪ ክሳተፍን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክገብርን መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ። ፍትሓዊ ዕላማና ሕዝና፣ ሓድነትና ዝያዳ ዓቅብና፣ ኣብ መትከልና ፀኒዕናን ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብናን ክሳብ ዝተቓለስና ድማ ዓወትና ዘጠራጥር ኣይኮነን።እቲ ሕዚ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ትግራይ ዝርአ ዘሎ ናይ ቦታ ምድፍፋእ ግዝያዊ እዩ። እዞም ልፍንታውያን ፀላእቲ ናብዘን ከባቢታት እዚአን ንክበፅሑ እውን ሓየት ሰራዊትና ማእለያ ዘይብሉ ክሳራ እናሸከሞም ከምዝመፅአ ዝፍለጥ እዩ። ብቐፃሊ እውን ኣብተን ዝኣተውለን ከባቢታት ትግራይ ተዋሒጦም ክተርፉ እዮም።

ነዚ ኩነታት ተበሊፆም ስነ ልቦና ህዝብና ንምጉዳእ ዓሊሞም ዝተዋፈሩን ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ሕሶትን ምድንጋርን ዘጋፍሑን ዕሱባትን ባንዳታትን ምህላዎም ተረዲእና ኩላትና ከባቢና ብዝግባእ ክንከታተል ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀሰባት ክንቆፃፀርን ይግባእ።እዞም ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብጥይት፣ ብሕማምን ብጥምየትን ካብዚ ሓሊፉ እውን ካብ መረቤቱ ተመዛቢሉ እግሩ ናብ ዘምርሖ ፋሕፋሕ ኢሉ ክበታተንን ንምግባር ሙሉእ ፓኬጅ ሓንፂፆም ብሙሉእነት እናተግበርዎ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ እዋን መጠነ ሰፊሕ ወራር ዘካይድሉ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እውን ሓረስታይ ትግራይ ሕርሻዊ ማእቶቱ ከየሳልጥ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። በቲ ሓደ ገፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከልኪሎም፤ በቲ ካልእ መዳይ ከዓ ምህርቲ ሕርሻ ትግራይ ብእዋኑ ከይእከብ ዕንቅፋት ብምፍጣር ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ከፅንትዎ ቆሪፆም ተላዒሎም ኣለዉ።

ነዚ ሰይጣናዊ ዕላማ ፀላእቲ ብምርዳእ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝብና ብውልቀን ብውዳበን ኣቢሉ ዝበፅሐ ዝራእቲ ናብ ቆፎ ሓረስታይና ክሳብ ዝኣቱ ቀትርን ለይትን ክረባረብ ይግባእ።ናይዚ በፂሕናዮ ዘለና ፍሉይ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ሙሉእ ትኹረትን ርብርባትን ህልውና ህዝብና ውሑስ ምግባር ስለዝኾነ ሕድሕድ ትግራዋይ ግዜኡ፣ ፍልጠቱ፣ ሃፍቱ፣ ክእለቱን ዓቕምታቱን ወዲቡ ህዝባዊ መኸተና ንምዕዋት ከውዕሎ ይግባእ። ኣብዚ እዋን ንመኸተ ዘይውዕል፣ ገንዘብ፣ ፍልጠት፣ ክእለት ኮነ ሃፍቲ ክህሉ ኣይግባእን።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኩነታት ክንዲ ዝኸበደ ይኽበድን ይተሓላለኽን ኩሉ ዝክኣሎ ህዝቢ ትግራይ እናሃለወ፣ ሓፅናዊ ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብዝልዓለ ሕራነን ወነን ኣብ ዝኳሽሐሉ ታሪካዊ ምዕራፍ ክሳዕ ዝሃለና ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዘይተርፍ እዩ። መኸተና ብዓወት ንክዛዘምን ህልውና ህዝብና ብዘላቕነት ውሑስ ንምግባርን ድማ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ ብዘየገድስ ኣብዛ ወሳኒትን ታሪካዊትን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብውልቀን ብውዳበን ክረባረብን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ክግብርን መንግስቲ ትግራይ ደጊሙ ይፅውዕ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ18 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

መቐለ

Previous articleዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ካብ ዝሃብዎ መብርሂ ዝተወሰደ
Next articleእዋናዊ ዜና ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ