መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ብብርኪ ዓለም ንመበል 34፣ ብብርኪ ሃገር ንመበል 33፣ ብብርኪ ትግራይ ድማ ንመበል 31 ግዜ ”ምህናፅ ጉዱኣት ኣካል ዘካተተ ማሕበረሰብ ንዝሓሸ ማሕበራዊ ለውጢ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ።
እቲ በዓል ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ጉዱእ ኣካል ሓዲግካ ዝግበር መንግስታውን ማሕበረሰባውን ዕማም ዕዉት ከምዘይኸውን ኣረጋጊፆም።


ኣብ ጉዱኣት ኣካል ዘሎ ፀጋ ብምምዝማዝ ንካልእ ሕብረተሰብ ክረብሕ ምግባር ከምዘድሊ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን መላእ ሕብረተሰብን ንተረባሕነትን ምርግጋፅ መሰላትን ጉዱኣት ኣካል ፃዕሪ ክገብር ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሑሪያ ዓሊ ብወገነን መጉዳእቲ ኣካል ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕ ምኽንያታትን ከጋጥም ከምዝኽእል ብምጥቃስ ዘጋጥሙ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ብምፍታሕ ብሰንኪ ኵናት ዝመፅእ መጉዳእቲ ኣካል ምክልኻል ከምዝከኣል ተዛሪበን።


ብዝተፈላለየ ምኽንያት መጉዳእቲ ኣካል ዝገጠሞም ወገናት ህይወቶም ክመዓራረ ኩሉ ተዋዲዱ ክሰርሕ ይግባእ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ካብ ሐዚ ንደሓር ብሰንኪ ኵናት ዝጎድል ኣካል ክህሉ ኣይግባእን ኢለን።
እቲ ሚኒስትር ተረባሕነት ጉድኣት ኣካል ዘረጋግፅ ረቂቕ ፖሊሲ ኣውፂኡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምምራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ንክፀድቕ ይከታተል ምህላዉ እውን ኣረዲአን።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምክክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ብግዲኦም ሰላም እንተዘይሃልዩ ጉድኣት ኣካልን ኣእምሮን ደው ከምዘየብልን ማሕበራዊ፣ ስነ ልቦናውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ከምዝፈጥርን ብምጥቃስ ስእነት ሰላም ከየጋጥም ብዕቱብ ከምዝሰርሑ አረጋጊፆም።


ጉዱኣት ኣካል ኩለመዳያዊ ድጋፍ ንክረኽቡ ከምዝፅዕሩን እውን ገሊፆም።
ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ “ጉድኣት ኣካል ዘሳታፈ ማሕበረሰብ ንማሕበራዊ ለውጢ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኺ ሃገር ኣብ ከተማ መቐለ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ምኽንያት ብምግባር ንጉድኣት ኣካል ዝተፈላለየ ግልጋሎት ዝህብ ዘበናዊ ቤት ዕዮ ንክህነፅ እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

እዚ ትካል ህንፀቱ እንትዛዘም ዝተፈላለየ ዓይነት መጉዳእቲ ዘለዎም ወገናት ግልጋሎት ክረኽቡ ዝሕግዝ እዪ።
ኣብዚ ስነ-ስርዓት ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌደራል ዶክተር እርጎጌ ተስፋየን ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ካልኦትን ተረኺቦም።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ምድንፋዕ ሰናይ ህላወን ምርግጋፅ መሰላትን ጉዱኣት ኣካል ኣቓልቦ ብምግባር በቢዓመቱ ሕዳር 24 ይኽበር።



