ብመሰረት ኣስተምህሮ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣሸንዳ ምብዓል ዝጅምረሉ መዓልቲ ነሓሰ 16 “እመቤታችን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝዓረገትሉ” ዕለት እዩ ዝሕብር፡፡ኣሸንዳ ካብ መበቆሉ ብኣናእሽተይ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ዝኽበረሉ ምኽንያት ድማ ተምሳሌት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዃን : ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መፅሓፍን ሊቀ ሊቃውንት ያሬድ ካሳ ብምውካስ መብራህተን ገ/ማርያም ኣብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከም ዘስፈሮ፡፡
ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ድሕሪ 330 ዓመተ ምህረት በዓላት ትንሳኤን ካልኦትን ምኽባር እንትጅምሩ፡ ኣሸንዳ’ዉን ኣካል እቲ ኣከባብራ በዓላትን ኣዋጅ ፆምን ኾይኑ ክበዓል ከምዝጀመረ ይዝረብ።
ንመፅሐፍ ቅዱስ ሓዊሱ ብዛዕባ ኣሸንዳ ይኹን ኣፈፃፅምኡ ዝገልፅ ዋላ ሓደ ሃይማኖታዊ መረዳእታ የለን፡፡ኦርቶዶክስ ክርስትና ኣብ ዝምለኸለን ካልኦት ሃገራት ዓለም ጥራሕ ዘይኾነስ ብዘይካ ገለ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣሸንዳ ካብ ትግራይ ወፃዲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣይፍለጥን መብራህተን ገ/ማርያም ንኤልያስ ኣብርሃ ብምፅራሕ ኣብ መፅናዕታዊ ፅሑፉ ከም ዘቐመጦ።
በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ከምዘለዎ እትገልፅ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ደናግል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘብዕለኦ ክኸዉን ከምዘለዎ ተቐምጥ።
ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከምዝገለፁዎ ኣሸንዳ ዝብል ስያመ ናይቲ በዓል፡ ካብቲ ኣዋልድ ካብ ሽምጠን ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ ዝተወሰደ’ዩ።

“ብቐንዱ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተላዒላ ናብ ሰማየ ሰማያት ከም ወዳ ዝኣረገትሉ’ዩ። እርገታ ስለዝኾነ ድማ ማርያ (ማርያም) ተባሂሉ’ዉን ይፅዋዕ’ዩ” ኢሎም።
ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ፡ ታሪካዊ አመፃፅኣ ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ምዃኑ ገሊፆም።
ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ቃለ መሕትት ዝገበሩ ሙሁር ስነ-ሰብ(Antropology)፣ታሪክን ተመራማርን ከበደ ኣማረ “ባህሊ ብዙሓት ነገራት እዩ ዘጠቓልል ካብዚኦም እቶም ዓበይቲ መነባቡሮ፣ቋንቋን ሃይማኖትን እዮም”ኢሎም።ኣሸንዳ ባህላዊ ትሕዝቶ ኣለዎ እንትበሃል ሃይማኖታዊ እውን ዝሓቁፍ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ባህልን ሃይማነኖትን ዘራኽቦም ኣምር ከምዘሎ ምርዳእ እምበር ባህልን ሃይማኖትን፣ባህልን ቋንቋን ፍፁም ዝተፈላለዩ ገይርኻ ምርዳእ ፀገም ከይፈጥር ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ እውን አገንዚቦም።
ቅድሚ 15 ክፍለዘበን ዝተመዝገበ ነገር እኳ እንተዘይ ሃለወ ቅድሚኡ ውን ኣሸንዳ ይኽበር ከም ዝነበረ እዩ ዝግለፅ ካብ 15 ክፍለዘበን ጀሚሩ ግና ዝተመዝገበ ነገር ውን ኣሎ እዩ ኢሎም ኣይተ ከበደ ኣማረ።

ኣሸንዳ ናይ ቖፅሊ ሽም’ዩ። እቲ ቆፅሊ ኣሸንዳ ቡኻርያ፣ ኣሸንዳ ዝብእን ኣሸንዳ ሰብን እናተብሃለ ድማ ይፅዋዕ።
ቖልዑ ኣሸንዳ፡ ዳርጋ ንሰሙን ምስ ቆናኒት ተቛፂረን፣ ኣይበፅሕን እንትብለን ድማ ህራስ ስኢነን እንዳ ፀጉሪ ሓዲረን’የን ዝቑነና፣ ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ድማ ነቲ በዓል ዝኽደንኦ ዓለባ ዓዲ የዳልዋን፡ ፅባቕአን ይሕልዋን።
ኽዳን ሓበሻ ተኸዲና እትወፅእ፡ ጋመ ዓረብ ዝበሃል ቑኖ ኣሸንዳ እትቑነን፡ ኩትሻ፣ ሕንቆ መስቀል፣ ባቡር መስቀል፣ ኮንጎ ጫማን ኩሕሊ ዓድን ገይራ እትወፅእ’ያ ቖልዓ ኣሸንዳ እትበሃል ከም ኣገላልፃ ሰብ ሞያ ባህሊን ቱሪዝምን።
ኣሸንዳ ንምንታይ ኣዋልድ የኽብርኦ?
ኣሸንዳ ናይ ኹሉ በዓል’ኳ እንተኾነ፡ብፍሉይ ግና ሓዳር ዘይመስረታ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ’የን ዘኽብርኦ።
ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዘኽብርኦ፡ደስትአን ዝገልፃ፡ እቲ ክብረንን ልዕልንአን ዝተመለሰ ብቅድስት ድንግል ማርያም’ስለ ዝኾነ እዩ ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከም ዝገለፁዎ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽያት እንተረደኡ ድማ፡ “ቅድሚኡ ሰብኡት ብኣንስቲ ይምክሑለን፣ የደርዑወን ነይሮም።
ንስኻትኽን ኢኽን ካባና ዝተረኸብኽን፡ ብኣኽን ምኽንያት ድማ ሞት መፂኡ፡ ካብ ገነት ወፂእና ምስ እግዚኣብሄር ተባኢስና እናበሉ ይምክሑለን ነይሮም።
ደሓር ግና እየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ። ካብ ድንግል ማርያም ብዝተወለደ እየሱስ ህይወት ተመሊሱ፡ ናብ ገነት ተመሊስኹም ኢኹም ብምባል ደቂ ኣንስትዮ መልሲ ሂበን” ይብሉ።
ብብሉይ ኪዳን ታሪክ እስራኤል ከምዝነግሮ ድማ፡ ነገስታት ዝተሸሙሉ፣ ዝተወለዱሉን መዓልቲ እንተኽብሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ዓጢቐን የሸብሽባ ነይረን፤ቖፅሊ ዕጣቕ ገይርኻ፡ ዉዳሴን ዕልልታን ምቕራብ ድማ ካብዚ ከምዝምዘዝ ዝገልፁ ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ፡ ቖፅሊ ኣሸንዳ ድማ ናይ ዓወትን ሓጎስን ምልክት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ኣገዉ፣ ላስታን ላሊበላን ይኽበር።


ክብርታት ኣሸንዳ
መሬት ብዝናብ ወርሓት ኽረምቲ ርሒሳ፡ ዘራእቲ ክሽውት ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ኣሸንዳ “ስየ. . . ይዓወይ ስየ” እናበላ ክደርፋን ክዘላን ዝህንጠዋሉ እዋን እዩ።
በዓል ኣሸንዳ፡ ልዕሊ ካልኦት በዓላት ድሙቕን ውቁብን’ዩ።
ወርሒ ነሓሰ እንትብሕት፡ ካብ ስነ ልቦናውን ቁሳውን ምድላው፡ ክሳብ ምሕዳስ መንፈስን ስጋን ዝበፅሕ ምድላው ንምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ድቃስ ዝወስደን ኣይመስላን።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ርእሳ ክሳብ ፅፍሪ እግራ ዘደንቕ ቁንጅና፣ ኣዞን ወዝን ክትውንን፡ ካብ ሳእኒ ክሳብ ጥልፊ ክዳን) ምድላዋት ተፃፍፍ።
ሙሉእ ናፅነት ዝረኽባሉ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር፡ናብ ኣደባባይ ክወፃ እንከለዋ፡ ዓለም ኩሉ ንዓኽን’ ዝበለተን እዩ ዝመስል። ነቲ ወትሩ እግረኛታትን ተሽከርከርትን ዝመልእዎ ኣደባባያት፡ ቆልዑ ኣሸንዳ ይብሕተኦ ይብል ቢቢሲ ቅድሚ ዓመታት ዘውፅኦ ፅሑፍ።
“ኣዋልደይ ቆልዑ ማይዱርየ
ስነን ፀባ መልክዐን ድርድርየ. . .” ዝብል ዜማ ናእዳ እናዜማ ‘ይዓወይ ስየ’ ዝደርፋ ሰብ ጥልፍን ቆፅሊ ኣሸንዳን፡ ንዓብዪን ንኡስን ሃነን እየን ዘብልኦ።
ምሁር ባህልን ስነ ቃልን ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ዝድረፉ ስነ ቃላት ባዕሎም፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንሓዳር ዘይበቕዐት ምዃና ስለ ዝገልፁ ናይ ደናግል በዓል’ዩ ክበሃል ይከኣል ምባሉ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ክሳደን፣ ጨጉሪ ርእሰን፣ ዓይነን፣ ኢደንን እግረንን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መጋየፅታት ኣመላኺዐን፤ ኣብ ሽምጠን ድማ ቆጽሊ ‘ኣሸንዳ ተዓጢቐን ማዕርነተንን ናፅነተንን ብምርግጋፅ ክብርታት ኣሸንዳ የንፀባርቓ።


ምሁራት ሳይንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን ድማ፡ በዓል ኣሸንዳ ፍልስፍና ማዕርነት፣ ናፅነትን ማሕበራዊ ስነ ሞገትን ዝንፀባረቐሉ ፍሉይ በዓል እዩ ይብሉ።
“በብግዚኡ ዝኾነ ነገር ከይተወሰኾ ዝቐፀለ ባህላዊ ውርሻ’ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር፡ ካብ ካልኦት ተደረብቲ ስራሕቲ ሽዓ እየን ነፃነተን ዝረኽባ። እዚ በዓል፡ ሓሳበን ብነፃነት ዝገልፃሉ፣ፀቢቐን ዝወፃሉን ምስ ሰባት ዝራኸባሉን’ዩ እውን ይብሉ ሙሁራት።
“በዓል ኣሸንዳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናፊቐንኦ ዝፀንሓ ሓቢርኻ ምፅዋት፣ፍቕርን ሓድነትን ዘስተማቕራሉ፡ ንዝምስገን ዘመስግናሉ ዝንቀፍ ውን ብውሕሉል ኣገባብ ዝነቕፋሉ በዓል እዩ እውን ይብሉ።
“ደቂ ኣንስትዮ ርእሰ ተኣማንነተን ብምዕባይ፣ ጥምረት ወይ ሕብረት ዝፈጥራሉ ናይ ነፃነት በዓል’ዩ። ሓሳብ፣ ፅባቐ ዝግለፀሉ ናይ መዘናግዒ መድረኽ ምዃኑ እውን ይግለፅ።
ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝለበሰ በዓል’ዩ እንተተብሃለ’ውን፡ ኣብ ከይዲ ክዋንኡ ግን ከከም ከባቢኡን ኣመፃፅእኡን ባህሊ’ውን ዝሓወሰ’ዩ ይብሉ ሰብ ሞያ።
ምስ ለውጢ፣መነባብሮ፣ምዕባለን ምፍልላይ ንቕሓት ደቂ ሰባትን ቴክኖሎጅን ባህሊ እውን ሓቢሩ ስለ ዝኸይድ ካብ እዋን ናብ እዋን ለውጢ ከርኢ ግድን ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ከበደ ኣማረ እቲ ለውጢ ግና መሰረታዊ ትሕዝትኡ ዘጥፍእ ከኾን የብሉን ኢሎም።


እኖ ሓጎይ መሬት ዝነክእ ነዊሕ ቀምሽ ትኽደን ስለ ዝነበረት ንጓል ጓለይ ወይ ጓል ወደይ ከምታ ናይ እኖ ሓጎይ ጥራሕ ተኸደኒ ክብላ ኣይኽእልን እንታይ ደኣ መሰረት እቲ ባህሊ ከይለቐቐት እቲ ባህሊ ንክተኽብር ምምሃር እዩ ዝግበኣኒ ብምባል ይገልፁዎ ኣይተ ከበደ።
“ንፃወት እንዶ ንተሓዋወስ’የ ዘመን ክምለስየ” ዝብል ሓደ ተለላ ደርፊ ቖልዑ ኣሸንዳ ብምጥቃስ፡ እዚ ንሕና ሓደ እንተኾይንና’ዩ እቲ ሰናይ ዘመን ክመፅእ ዝኽእል፣ ባህልና እንዝክሮ ንሕና ተሓዋዊስና ሓደ እንተኾይንና’ዩ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘለዎ፡ ምስክር ሓድነተን’ዩ ኢሉ ምሁር ባህልን ስነ ቃልን ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍቱ ቅድሚ ዓመታት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ።
ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ፀወታ ኣሸንዳ
ደቂ ተባዕትዮ፡ ዋላ’ውን ከበሮ ሒዞም እንተዘይተልሃዩ፡ ሓፂር ገምባለ ምስ ሽራኽ ሳኣኒ ወይ ኮንጎ ረጊፆም፣ ሚዶ ኣብ ጎተና ርእሶም ሰዅዖም፣ በትሪ ጨቢጦም ደድሕሪ እተን ቆልዑ ኣሸንዳ ክዞሩ ይውዕሉ።
ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ነፃነተን ተቐቢሉ ስርሐን ፅባቕአን ብምንኣድ፡ ኣካል እቲ በዓል ከም ዝኸውን ዝገለፀ ኣቶ ኣለማየሁ ብፍላይ እቶም ኣናኣሽቱ ኣወዳት ካብ ከልብን ካልኦት ሓደጋታትን ኣብ ምሕላው ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ኢኻ ትዕዘብ ኢሉ።

“ኣብዚ ግዘ፡ እቲ ዝደለይኦ ውህብቶ እንተዘይተዋሂበን ንዕኦም ክግስፁ ዝኽእሉ ደርፍታት ይደርፋ እየን፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ እንተተፀረፉ’ውን ኣይምልሱለንን። እዚ ግዘ ፍሉይ ነፃነት ሂቡወን እቲ ማሕበረሰብ’ውን ከም ዝደገፈን የመላኽት” እትብል መምህር ሰናይት ካብዚ ብምብጋስ፡ ኩል ግዘ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓደን ነፃነትን ዝቕበልሉ ባይታ እንተመፂኡ፡ እቲ ዘሎ ፆታዊ ኣፈላላይ ክፀብብ ይገብር’ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ኣሸንዳን ዩኔስኮን
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት[ UNESCO ] ንምምዝጋብ እንታይ ክግበር ኣለዎ።
“ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ንሙሉእ ባህላዊ መጋየፀታት ስለ ዝጥቀማ ባዕሉ ሓድጊ’ዩ” ዝበለት ኣርቲስት ፍርያት የማነ፡ “ዝተፈላለየ ሳዕስዒት፣ ደርፍን ባህልን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ምልላይ ምኽኣል ዓብዪ ነገር እዩ” ክትብል ገሊፃቶ።
ኣሸንዳ፡ ናብ ዘላቒ ማሕበራዊ-ቑጠባዊ ረብሓ ንምሽራፍ፡ ካብቲ ትውፊታቱ ከይወፀ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ብኣግባቡ ዝንፀባረቐሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ይላበዩ ሰብ ሞያ ባህሊ።


ኣሸንዳ ብኣግባቡ እንተተጠቒምና ቁጠባዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ምዃኑ ውን ንብዙሓት ዓመታት ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዙምን ኾይኖም ዘገልገሉ ሙሁር ታሪክ፣ ስነ-ሰብን ተመራማር ከበደ ኣማረ ኣረዲኦም።
በዓልሞያ ባህልን ቱሪዝምን ዮናስ ታደሰ ብወገኑ ምዕሩግን ሰሓብን በዓል ኣሸንዳ ይኹን ካልእ ሃፍቲ ኣብ ዩኔስኮ እንተተመዝጊቡ ዝሰዕቡ ረብሓታት ከም ዘለውዎ የረድእ።
1, እቲ ባህሊ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ረኺቡ ንክዕቀብ
2, ብዓለም ብርኪ ተፈላጥነት ንክረክብ
3,ብሞያ ዝተደገፈ ኩለ መዳይ ሓገዝቲ ንምርካብ
4,ዋንነት ምርግጋፅን ምዃኖም ገሊፁ።
ሓድግታት ፡ቀወምትን ተንቀሳቐስትን ተባሂሎም ከም ዝግለፁ ዘረድኡ ኣይተ ከበደ ኣሸንዳ ድማ ካብቶም ዘይንቀሳቐሱ (ዘይድህሰሱ) ሓድግታት ሓደ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ዘይንቀሳቐሱ ባህላዊ ሓድግታት ኣብ ናይ ዩኔስኮ መዝገብ ንክኣትው ዘኽእሉ 3 መሰረታዊ መመዘንታት ሓደ እቲ ሓድጊ ናይ ህዝቢ ድዩ? (ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ኣለዎዶ?)፣ካልኣይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንዘበናት እናቐፀለዶ መፂኡ?፣ሳልሳይ መግለፂ መንነት ህዝቢ ድዩ ኸ? ዝብሉ እዮም ኣይተ ከበደ ኣማረ ከም ዝገለፁዎ።


በዚ መሰረት ኣሸንዳ ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት መንግስቲ ይደግፎ ኣይደግፎ ናተይ በዓል እዩ ኢሉ ዘኽብሮን ክጠፍእ ዘይደልዮን እዩ ። እናተወራረሰ ዝመፀ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ደረጃ ኣከባብርኡ ክፈላለ ይኽእል እምበር ኣይጠፍአን መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝግለፀሉ እውን ስለ ዝኾነ ኣብ ዩኔስኮ ከመዝግቡ ዝኽእሉ ረቛሒታት ዘማልእ እዩ ኢሎም።
ቅድም ክብል ካብ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ካብ ዩኔስኮን ዝምልከቶም ኣካላት መፅዮም ሪኦምዎ ትክለኛ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ዝግበኦ ሃፍቲ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ከም ዝነበረን ዘድሊ ሰነድ ውን ተዳልዩ ናብ በዓል ስልጣን መፅናዕትን ሓለዋን ሓድጊ ኢት/ያ ከምዝተልኣኸን ናብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ በቲ በዓል ስልጣን እውን ስራሕቲ ተጀሚሮም ከም ዝነበሩን ኣረዲኦም።
እቲ ሃፍቲ ኣብ መዝገብ ቱሪዝም ሰፊሩ ኣድላይ ረብሓ ንክርከቦ መንግስቲ፣ህዝቢ፣ትካላትን ፅዕንቶ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ውልቀ ሰባትን ብትኹረት ክደፍኡሉ ይግባእ ኢሎም።


በዓል ኣሸንዳ ባህላዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ንክቕፅልን ካብ መሰረታዊ ትሕዝትኡ ከይለቐቐ ፍልፍል ሃፍቲ ንክኾን ክስራሕ ይግባእ ኢሎም ኣይተ ከበደ ኣማረ።
ዩኔስኮ ሓድግታት ንምምዝጋብ ኢሉ ብ2004 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዘውፅኦም መመዘንታት ድማ፦
1, እቲ ሓድጊ ናይ ደቂ ሰባት ዕሙቕ ክእለት ምህዞ ይውክልዶ?
2, ኣብ መንጎ ሰባት ልውውጥ ክብርታት የማዕብል ዶ?
3, ንንዝጠፍአ ወይ ንዘሎ ባህላዊ ክብሪ ወይ ስልጣነ ፍሉይ ምስክርነት ይህብዶ?
4, ታሪክን ክእለትን ደቂ ሰባት ቴክኖሎጂ፣ ኣቀማምጣ ገፀ መሬትን የንፀባርቕ ዶ?
5, ንባህላዊ ኣሰፋፍራ ደቂ ሰባት፣ ኣጠቓቕማ መሬትን ባሕርን መርኣያ ድዩ? ንፅዕንቶታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ነቲ ፅዕንቶ ተፃዊሩ ኣብ ምቕፃል ተመኩሮ ኣለዎ ዶ?
6, ምስ ዘጋጠሙ ወይ ንቐፃሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፍፃመታት፣ ህሉው ባህላዊ ክብርታት ብቀጥታ ዝተኣሳሰር ፣ ምስ እምነት ወይ ኪነ-ጥበብን ሰነ-ፅሑፍን ዝተኣሳሰር ኩለመዳይ ረብሓ ኣለዎ ዶ?
7, ፅቡቕ ተፈጥሮኣዊ ገፅታ ወይ መልክዕ የመላኽትዶ?
8,ታሪክ መሬት ዘመላኽቱ ቀንዲ ቀንዲ ደረጃታት ካብ ዝውክሉ ፅቡቓት ኣብነታት ክኾን ይኽእል ዶ?
9, ኣብ ከይዲ ዘሎ ስነ-ምህዳር ይውክል ዶ?
10, ባዮሎጂካል ኣፈላላይ ምሕላው ዘኽእል ድዩ? ዝብሉ 6 ባህላውን 4 ተፈጥሮኣውን መመዘንታት ኣቐሚጡ እዩ።
በዓል ኣሸንዳ ድማ ብፍላይ ነዞም ባህላዊ መመዘንታት ዘማልእ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።
ናሽናል ጂኦግራፊ ብ2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ሓድግታት ናብ መዝገብ ዩኔስኮ ንምስፋር ካብዞም 10 መመዘንታት ሓደ እንተማሊኡ እኹል እዩ ይብል።
በዓል ኣሸንዳ ናብ ዩኔስኮ ንመምዝጋብ ዝበቅዕ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር የብሉን ዝበሉ ኣይተ ከበደ ኣማረ እዚ ብዙሕ ሃፍቲ ከምፅእ ዝኽእል በዓል ናብ መዝገብ ዩኔስኮ ንክኣቱን ዓለምለኸ ደገፍን ክንክንን ንክረክብን ካብ ሕድሕድ ኣዋልድ ኣሸንዳ ጀሚሩ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኔስኮ ንምዝጋብ ከም መንግስቲ ብቆራፅነት ምስራሕ፣ህዝብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ድማ ክብርታት እቲ በዓል ዓቂቦም ንክምዝገብ ምስራሕን ድፍኢት ምግባርን የድሊ ኢሎም።


ናብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ መንግስቲ ኢት/ያ ቅቡል እንተገይሩዎ ብበዓል ስልጣን መፅናዕትን ሓለዋን ሓድጊ ኢት/ያ ኣቢሉ ክምዝገብ ከም ዝኽእል ኣረዲኦም ሙሁር ስነ-ሰብ፣ታሪክን ተመራማርን ኣይተ ከበደ ኣማረ።