Home ዜና 75% መሬት ትግራይ ንሕማም ዓሶ ተቓላዓይ እዩ – ቢሮ ጥዕና ትግራይ።

75% መሬት ትግራይ ንሕማም ዓሶ ተቓላዓይ እዩ – ቢሮ ጥዕና ትግራይ።

789

ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ሕማም ዓሶ ዝላበደሉ እዋን ከምዝኾነ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ክረምታዊ ወቕቲ ሲዒቡ ዝርኣዩ ዕቋራት ማይን ጀቕጀቓትን ተናኻሲት ጣንጡ ትራበሓሉን ካብን ናብን ሰብ ትመሓላለፈሉን እዋን ከም ዝኾነ ድማ መተሓባባሪ ጕጅለ ምክልኻልን ምቋፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ሓቢሮም፡፡

75 ሚኢታዊት መሬት ትግራይ ንሕማም ዓሶ ዝተቓለዐ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ኣረጋይ ኣረጋጊፆም፡፡ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ተዳሊዉ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ኣረጋይ ንተመዛበልቲ ወገናት ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ቱኽረት ከምዝወሃቦም ተዛሪቦም፡፡

መድሓኒትን መከላኸልን ሕማም ዓሶ ብናፃ ከምዝወሃብን ኣብ ገለገለ ውልቀ ፋርማስታት ዝርኣዩ ምጭብርባራት ደው ክብልን እውን ኣይተ ኣረጋይ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ