ቁልፍን ዘላቕን መፍትሒ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር እዩ-ምክትል ፕረዚደንት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ
ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣምኑኤል ኣሰፋ ምስ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ክፍሊ ኣፍሪካ ክዮኮ ኦኖ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ-ስላሰ ተራኺቦም ዘትዮም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ዘላቒ መፍትሕን ተመዛበልትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳን ቅዋም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝምልከት ሓፂር መብርሂ ከምዝተውሃበ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም ኣለው።

እቲ ቁልፍን ዘላቕን መፍትሒ ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር ምዃኑ ከምዝገለፁ ዘረጋገፁ ኣይተ ኣማኑኤል፥ ተመዛበልቲ ድሕንነቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን ተሓልዩ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባብታት ዘለዉ ዕጡቓት ክወፁ፣ ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ክፈርሱን ሓደሽቲ ሰፈርቲ ክለቁን ምግባር ከም ዝግባእ ምሕባሮም ኣረዲኦም።
ካብ ኣፍልጦ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ውሑስ መንገዲ ተመዛዘልቲ ንምምላስ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ዘውፀኦ ዘሎ ሓበሬታታት ዝምልከት ዘለዎም ሓሳብ (concern) እውን ኣብቲ ምይይጥ ከምዝተልዓለ ጠቒሶም።
ብወገን ወኪላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መትከላት ሰብኣውነትን ዓለማዊ ኣሰራርሓን ወፃእ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ክፍፅሙ ይኹን ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክኣትዉ ከም ዘይኽእሉ ምግላፆም እውን ኣመላኺቶም።
እተን ዳይረክተር ኣብ ፃኒሒተን ኩነታት ተመዛበልቲ ብኣካል ዘይረን ክዕዘባን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ምስ ዘለዉ ትካላት ሰብኣውነት ክዝትያን ትፅቢት ከምዝግበር ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም ።



