Home ዜና ኣብ ወረዳ ኣፅቢ 29 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገዲ ክስራሕ እዩ።

ኣብ ወረዳ ኣፅቢ 29 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገዲ ክስራሕ እዩ።

61

ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ካብ ዕዳጋ ረቡዕ ናብ ኣፅቢ ዝወስድ 29 ኪሎ ሜትር ፀፀር መንገዲ ከም ዝህነፅ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣካቢ ቦርድ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገድታት ትግራይን ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም።

ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምስ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ ከተማ ደራ ኣብ ሕቶ መሰረተ ልምዓት ዘትዮም።

እቲ ዝህነፅ መንገዲ ከም ዘሕጎሶም ዝገለፁ ነበርቲ ከተማ ደራ፥ ኣብ መሰረተ ልምዓት መብራህቲ፣ ማይን ስልክን ዘለዉ ፀገማት እውን ክፍትሑ ሓቲቶም።

ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ብሓደ ጊዜ ክሓውይ ዓቕሚ ስለ ዝሓፅር ኣብ ካልኦት መሰረተ ልምዓት ዘለዉ ፀገማት እቶም ዝገደዱ ደረጃ ብደረጃ ከም ዝፍትሑ ኣይተ ኣማኑኤል ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ኣይተ መዝገበ ግርማይ ን15 ዓመታት ዝፀንሕ ሕቶ ፅርግያ፥ መንግስቲ ምላሽ ምሃቡ ብምምስጋን ኣብ ማይ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወረዳ 9 ሚልዮን ብር ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊፆም።

እዚ ብመንግስቲ ፌደራልን ካብ ባንኪ ዓለምን ዝተረኸበ በጀት ኾይኑ ኣብዚ ዓመት ተዛዚሙ ግልጋሎት ክህብ ክትትል ከም ዝግበር ሓላፊ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ ኣይተ ነጋሽ ኣርአያ ሓቢሮም።

#ገብረመድህን_ተወልደመድህን