Home ዜና ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ብ 400 ሚልዮን ብር ንዝህነፅ...

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ብ 400 ሚልዮን ብር ንዝህነፅ ማእኸል መራብሒ ደርሆ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም።

81

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀኔራል ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ብ400 ሚልዮን ብር ካፒታል ዝህነፅ ማእኸል መራብሒ ደርሆ ኤጅፒ ኢትዮ ችክን እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም።

ኣብ 10 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ እቲ ማእኸል ብዓመት ክሳብ 10 ሚልዮን ጨቃዉቲ ናይ ምርባሕ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ካምፓኒ ኣሜሪካ ዝኾነ ማእኸል መራብሒ ደርሆ ኤጅፒ ኢትዮ ችክን ብ 400 ሚልዮን ብር ካፒታል ህንፀቱ ከምዝሳለጥን ኣብ ዉሽጢ 3 ዓመት ህንፀቱ ከምዝዛዘም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ማእኸል ን 150 ቀዋምቲ ስራሕተኛታት ከምኡ ውን ን 650 መከፋፈልትን ኣብ ፍርያት እቲ ማእኸል ንዝነጥፉን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ዳይሪክተር ትካል ኤጅፒ ኢትዮ ችክን ዶ/ር ጀስቲን ገሊፆም።

ፕረዝደንት ታደሰ ሓዊሱ ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ዑደት ኣሳሊጦም እዮም።

እቲ ዑደት ኣብ ፀባን ውፅኢት ፀባን ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ዘለዎም ናይ መሬት ሕቶ ንምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ ።

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምስ ምምሕዳር መሬትን ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ብምርድዳእ ንፀባ ላሕሚ መስርሒ ቦታ ሂቡ።

ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ንማሕበራት ሃፍቲ እንስሳት ውፅኢት እንስሳትን መስረሕን መሸጥን ቦታ እውን እምነ ኩርናዕ ኣቐሚጦም እዮም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕርሻ ትግራይ ብምዝማን ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝኾኑ ዕድል ንምፍጠር ከም ዝሰርሕ ዝገቸፁ እቶም ፕረዚደንት ሰብ ሞያ ሕርሻ እውን ሞያዊ ሓላፍነቶም ክፍፅሙን ከም ዝግባእ ገሊፆም ።

ፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ ንብዙሕ ዓመታት ሕቶ ኾይኑ ዝፀንሐ ጉዳይ መስርሕን መሸጥን ቦታ ምፍታሕ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ውፅኢት እንስሳን ንዝተዋፈሩ ሓረስቶት ሓጋዚ ከምዝኸውን ብቢብርኩ ዝለዓሉ ሕቶታት እዉን ንምፍታሕ ብትኹረት ከም ዝስራሕን ኣረዲኦም።

ሓረስቶት ብግዲኦም ቅድሚ ሐዚ ንብዙሕ ዓመታት ዝሓትዎ ሕቶ ብምምላሱ ንዝበለፀ ስራሕ ከምዘለዓዓሎም ገሊፆም።

ኣብ ፀባሕ ላሕሚ ተዋፊሮም መስርሒ ቦታ ዝረኽቡ ዘለው 53 ሓረስቶት ምዃኖም ተሓቢሩ።

እዚ ንፈለማ እዋን ብሴክተራትን ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳርን ምርድዳእ ብፓይለት ደረጃ ኣብ ኣጉላዕ ዝትግበር ዘሎ ኾይኑ ናብ ኩለን ወረዳታት ንክጋፋሕ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

#ኢየሩሳሌም_ገ/መድህን