Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ከይዲ ኣከፋፍላ ሓይሊ ኤሌክትሪክ

ከይዲ ኣከፋፍላ ሓይሊ ኤሌክትሪክ

265

ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትግራይ ካብ 25 ሓምለ 2015 ዓ/ም ጀምሩ ከይዲ ኣከፋፍላ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓማዊል ብድጅታል ከምዝገበሮ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣይተ ግርማይ ግደይ ሓቢሮም፡፡

ዓማዊል ከይዲ ኣከፋፍለኦም ብድጅታል እንተካይዱ ኹሎም ኣማራፅታት ድጅታል ግልጋሎት ባንኪ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ዝገለፁ ኣይተ ግርማይ ንዓማዊል ካርዲን ዓማዊል ማንዋልን ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡፡ እቲ ዲጂታል ግልጋሎት ዘይሕጋዊ ኣከፋፍላ ንምክልኻልን ግዜ ንምቑጣብን እውን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዝነበረ ክባን ዕፅዋን ምኽፋል ዘይኸኣለ ዓሚል ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ኣከፋፈል ከምዝግበረሉ ኣይተ ግርማይ ኣረድኦም፡፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፀሐ ዝሓበሩ ኣይተ ግርማይ ግደይ ዛግዲ ዝተገበረ ምትዕርራይ ብዘይምህላዉ ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ግልጋሎት ምሃብ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም፡፡

እዚ ከምዙይ ኢሉ እናሃለወ ሐዚ ዘለናሉ ወቕቲ ክራማት ምስ ምዃኑ ድማ ሕብረተሰብ ኣብ ቆረፃ ኣእዋም ዝገብሮ ዘሎ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ከይዲ ንዕንወት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝዕድም ብምዃኑ ልዑል ጥንቃቐ ክገብርን ቅድሚ ምቁራፁ ናብ ዋና ቢሮ ሓበሬታ ክህብን ይግባእ ኢሎም ኣይተ ግርማይ፡፡