ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ግቦኦም ክፍፅሙ ይግባእ ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

0

ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ግቦኦም ክፍፅሙ ይግባእ ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ኣደራደርቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ።  ህዝቢ ትግራይን ተጋዳላይ ትግራይን ንመንነቱን ሃለዋቱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ከይዲ  ድርድር ሰላም በፂሑ ዩ  ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ሕርይኡ ሰላም ብምዃኑ ዝተረኸበ ኳ እንተኾነ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክሳብ...

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መድረግቲ ኣካላት መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕናን መፍትሒኡን ኣድሂቡ መፅናዕቲ ኣካይዱ።

0

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ምርምር ጥዕና ትግራይን ዩኒቨርስቲታ መቀለ፣ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ብሓባር ብምዃን መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምንፃር ስርዓተ ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ንምዕጋትን ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ደ/ር በፀጋይ በሪሁ ነቲ ፅንዓት ከካይዱ ምኽንያት ዝኾኖም ቁፅሮም ዘይናዓቅ ሰብ ሞያ ጥዕና ትግሪይ ናብ ካልኦት ክልላትን ሃገራትን ምስዳዶም ስዒቡ ከም ዝኾነ...

ኪሳራታትን መኽሰብን  ኵናት ዓድዋ

0

ኪሳራታትን መኽሰብን  ኵናት ዓድዋ ውግእ ዓወት ዓድዋ ዝተዓወተ ብዋናነት ብዕጡቃት ዘይዕጡቃትን ሓርበኛታት ተጋሩ ንዕኡ ብዝመርሑ ዝነበሩ ጀጋኑ እኒ በዓል ራእሲ ኣሉላን ኮይኑ ከም ድልየት ሓርበኛታት ትግራይ ግን እቲ ውግእ ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ባፅዕ ጠሊቁ ጣዕልያን ካብ መሬት ሓበሻ ተፀራሪጉ ክወፅእ ገይሩ፡፡ ይኹን እንበር ብንጉስ ምኒሊክ ዝምራሕ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ክቅፅል ከምዘይደለየ እዩ፡፡ ብፅገ ሃይለማርያምን መዝገበ ወ/ገብሪኤልን ኣብ 2008 ዓ/ም መስተንክር ኣብ...

 ዉዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብሕብረት ኣፍሪካ ክምራሕ ተወሲኑ ።

0

      ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ተፈሪሙ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፈፃፅምኡ የጋጥሙ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ንምፍታሕ ካብ ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነት ክፍፀም ከም ዝተወሰነ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ተዛመድቲ ወቕታዊ ኩነታት ትግራይን ኣድሂቦም መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ከቢኔ ሴክሬታርያት ሰላምን...

ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ

0

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ን800 ወገናት ነፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራን ፀጉርን ካብ ዕለት 2 ክሳብ 6 መጋቢት 2016 ዓ/ም ከምዝህብ ኣፍሊጡ። ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ብሕማም ዓይኒ ንዝሳቀዩ ወገናት ጠመተ ብምሃብ ብርሃን ዓይኒ ንምምላስን ጥዕንኡ ዘሓለወ መፍረያይ ዜጋ ንምፍጣር፣ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ሂማልያን ካትራክት ዝተበሃለ ፕሮጀክት ብምትሕብባር ካብ ዕለት 2 ክሳብ 2016ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ን800 ወገናት...

12 ባህሪያት መታለልቲ ሞባይል ባንኪንግን መከላከሊኦምን

0

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ሞባይል ባንኪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ነቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ተጠቀምቲ ብምትላል ዝፍፀሙ ተግባራት ገበን ይዉሰኹ ከምዘሎ እዩ መረዳእታት ዘመላኽቱ። ሰባት ብሞባይል ባንኪንግ ካብ ዝታለሉሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ነቲ ቴክኖሎጂ ከመይ ከም ዝጥቀሙሉ ብግቡእ ስለዘይፈልጡ እዩ ይብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓዉዲ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዘመናዊ እናዀነ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ብኢንተርኔት ዝግበር መስርሕ ባንኪ (ኦንላይን ባንኪንግ)...

ሓገዝ ምግብና ንተምሃሮ

0

ሜሪስ ሚልስ ዝተባሃለ ትካል ምግባረ ሰናይ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ንዝማሃሩ ልዕሊ 4ሽሕን 5 ሚኢትን ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶ ይምግብ ከምዘሎ ተፈሊጠ። ትካል ምግባረ ሰናይ ሜሪስ ሚልስ ብሰንኪ ድርቅን ጆኖሳይዳዊ ኪናትን ዝተፈጠረ ሓደጋ ጥምየት ተምሃሮ ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቁ ብምሕሳብ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ  ትምህርቲ  ንዝማሃሩ 4558 ተምሃሮ ይምግብ ከምዘሎ ምምሕዳር አታወረዳ ኣፍሊጡ።                ቤተልሄም ፀጋይ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ሙሉእ ቀዳማይ...

ውግእ ወርሰገ ሕላገት ጅግንነት ተጋሩ

0

ዘይተሰነዱ ታሪኻዊ ፍፃመታት ብመፅናዕትን ምርምርን ኣፍልጦ ክረኽቡን ፤ ፍሉጣት ታሪኻት ድማ ብመዳይ ኢኮ ቱሪዝም ናብ ተጠቃምነት ክሳጋገሩን ደገፍን ክትትልን ከም ዝገብር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ ዘይተሰነዱ ታሪኻዊ ፍፃመታት ብመፅናዕትን ምርምርን ክስነዱን ፥ ፍሉጣት ታሪኻት ድማ ብመዳይ ኢኮ ቱሪዝም ናብ ተጠቃምነት ክሳጋገሩን ደገፍን ክትትልን ከም ዝግበር ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም ኣብ ዝኽሪ መበል 88 ዓመት...

ብጥሜት ዝተሰኮነ ስድራ

0

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ድርቂ ንጥሜትን ሕማምን ዝተሰኮነ ስድራ ፃውዒት ብፅሑልና፡፡ ወ/ሮ ለተስላሰ ወ/ገብርኤል ነባሪት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ፈለገ ሂወት እየን፡፡ ዕድሚኤን 60 እየን እዩ፡፡ እዘን ኣደ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ሓያል ፀገም ከምዝነበራን ብምግላፅ ብሰንኪ ዘጋጠመ ተፈጥራውን ሰብ ሰራሕን ድርቂ ድማ እቲ ዝነበረ ፀገመን ተጋዲዱ ብጥሜትን ሕማምን ተሶኪነን ኣብ...

ልሙዕነት ሓመድን  መፍረይነትን

0

ፀገማትና ብዘላቅነት  ዝፍትሑ ብዓርሰ ምርኮሳ  ብምዃኑ  መሃዝቲ  ክነተባብዕ  ይግባእ--- ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ምክትል ፕረዚዳንት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ፀገማት ትግራይ ዝፍታሕ ብዓርሰ ምርኮሳ ብምዃኑ መሃዝቲ ክነተባብዕ ኢና ኢሎም። ሓመድ ብምልማዕን ብምሕካምን መፍረይነት ሕርሻ ዘበርኽ ተፈጥራዊ ድኹዒ /ኮምቦስት/ ናብ ሓረስታይ ክተኣታትቶ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ማሕበር መፍረዪ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን ቶፕ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ነዚ ዝገለፀ ኣብ ልሙዕነት ሓመድን...