Home ማሕበራዊ ህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ንትግራይ

ህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ንትግራይ

903

እዋን ዝርኢ ይሓልፍ ብምህላዉ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ብቅልጡፍ ናብ ትግራይ ክኣቱ ትካል ምግቢ ዓለም(ፋኦ) ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሓረስቶት ትግራይ ግራውቶም ብእዋኑ ብዝራእቲ ዝሽፍንሉ ግዜ ይሓልፍ ብምህላዉ  ማሕበርስብ ዓለም  ሓርስቶት ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድክዕን ንክረክቡ ፅዕንቶ ክፈጥር ከም ዝግባእን እንተዘይ ኮይኑ ግን  ህዝቢ ትግራይ ንዝከፈአ ሓደጋ ጥሜት ክቃላዕ ከም ዝክእል ትካል ምግቢ ዓለም ፋኦ ኣጠንቂቁ፡፡

ሓረስቶት ትግራይ ግራውቶም ብዝግባእ ሓረሶምን ኣለሳሊሶምን ዝናብ ክረምቲ ይፅበዩ ከምዘለዉ ዝሓበረ ትካል ምግቢ ዓለም፤ ይኩን እምበር ብምክንያት እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ  ክባን ዕፅዋን  ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድክዕን ዘይምእታዉ ፈተና ኮይንዎም ከም ዘሎን እዋን ዘርኢ ከምልጦም ከም ዝክእልን ብምግላዕ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድክዕን ንክኣቱ ክስርሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ትካል ምግቢ ዓለም ንምህርቲ ሕርሻ ዝውዕል 96 ሚሊዮን ዶላር ንጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ሓገዝ ከም ዝገበረ ዝሓበረ ኮይኑ ይኩን እምበር እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምውዳእ ብዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድክዕን ክሳብ ሐዚ ናብ ትግራይ ብዘይምእታዉ  ኣድላይ እታወታት ከይተጠቀምካ ዝዝራእ መሬት ድማ እኩል ፍርያት ክህብ ከም ዘይክእልን ሙሉእ ዓመት ንህዝቢ ትግራይ ክምግብ እዩ ኢልካ ዝግመት ከምዘይኮነን ኣመላኪቱ፡፡

ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምሩፅ ዘርኢን ዘመናዊ ድክዕን ተጠቂሞም መሬቶም  ብምዝርኦም 9 ሚኢቲ ሽሕ ቶን ዝተረከበ ኮይኑ ብምክንያት እቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ትሑት ምህርቲ ማለት እውን 40 ሚኢታዊ ምህርቲ ጥራሕ ከም ዝተረከበ ዘመላከተ ፀብፃብ ትካል ምግቢ ዓለም እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዘይዝኮነ ፋይናንሳዊ  ምንቅስቃስን ስብኣዊ ሓገዝን  ንኣስታት ሓደ ዓመት ክፀንሕ  ከምዝከኣለ ሓቢሩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ በቲ ብፋሽስታውያን ወረርትን ዝተነበረ ክባን ፅፅዋን ንዝከፍአ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝተቃልዐ ዝሓበረ ትካል ምግቢ ዓለም ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘጋጠሞ ፈተና ከይተንበርከከ  ኣብ ከባቢኡ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍራምረን ብምልማዕ ህይወቱ  ንምፅናሕ  ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝፀንሐ ገሊፁ፡፡

ብፅርይቲ ሓረጎት