Home ዜና ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ልዝብ ንምግባር መደብ ሒዞም...

ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ልዝብ ንምግባር መደብ ሒዞም ምህላዎም ተገሊፁ።

561

ኣብ ዴንቨር ክሎራዶ ዝሳለጥ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ኣቖፃፅራ ኣውሮፓ መፃኢ ሓምለ ዝሳለጥ ኾይኑ፤ ላዕለዎት ሰብ መዚ ትግራይ ኣብቲ ፌስቲቫል ንምርካብ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣካል ዴንቨር ክሎራዶ ከምዝርከቡ ዘመልከተ ማተስኣ፤ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ዝጠመተ ልዝብ ከምዝህሉ እውን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝወዝዖ ሓበሬታ ድማ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላትን መሪሕነትን ማተሰኣ ህልው ኩነታት መሰረት ዝገበረ ዘተ ምስላጦም ሓቢሩ ። ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት፣ ንኹሎም ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ማሕለኻታትን ብድሆታትን ተፃዊሮም፣ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ክሕይልን ጉዳይ ትግራይን ህዝባን መዘራረቢ ዓለም ክኸውን ብምግባር ታሪኻዊ ግብኦም ከምዝፈፀሙ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ምሕባሮም እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ሕዚ ድማ ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ናይ ሰላም ዕድል ብምጥቃም፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር፣ ከምቲ ልሙድ ዳያስፖራ ተጋሩ መሪሕ ተራ ክፃወቱ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም ኢሉ ።ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ካብ ሓምለ 17 ክሳብ 23 ኣብ ዴንቨር ክሎራዶ ከም ዝሳለጥ ዝፍለጥ እዩ።