Home ዜና ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ

ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ

614

ሓገዝ ማሕበር 70 እንደርታ ስዊዘርላንድ ማሕበር ሰብዓ እንደርታ ሲዊዘርላንድ ዝላኣኽዎ ልዕሊ 500 ሽሕ ብር ንዝተፀገሙ ኣረጋውያን ኣዴታትን ነበርቲ ወረዳ እንደርታ ጣብያታት መንበረ ቁዱሳንን ለምለምን ተዋሂቡ።እቶም ኣረጋውያንን ኣዴታትን ዝተገበረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣበራ ተስፋይ ንቐፃሊ ዝትፅገመ ህዝቢ ካብ ተጠዋርነት ወፂኡ ዓርሱ ዝኽእለሉ ኩነታት ንክፍጠር ማሕበሮም ከምትሰርሕ ኣረዲኦም፡፡ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ብርሃነ ዮውሃንስ ዲያስፖራ ስቓይ ህዝቦም ንምቅላል ካብታ ዘላቶም ብምክፋል ዝገብርዎ ሓገዝ ቐፃሊ ክኸውንን መልእኽቶም ኣሕልፎም፡፡

#ብሰለማዊት ገብረኣምላኽ