Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንትግራይ

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንትግራይ

788

—-

ቢሮ ትምህርቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ናይ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ዝግመት ናዉቲ ትምህርቲ ሓገዝ ኣበርኪቱ።ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝነበሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክምለሱ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዕማም ንምድጋፍ ናይ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ናዉቲ ትምርቲ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣረኪቡ። ቢሮ ትምርቲ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 5 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዝግምቶም 61 ዴስክ ቶፕ ኮምፒዉተራት 100 ሺህ ጥራዛት ሓዊሱ ብርዕን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናዉትን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዘረከበ OBN ፀብፂቡ ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮምያ ዶ/ር ገላና ወልደሚካኤል ነቲ ሓገዝ ንዳይሬክትር ኢንፎርሜሽን ኮሚዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ICT ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ኣረጋዊ ከም ዘረከቡ ኦቢኤን ፀብፂቡ።