Home ዜና ሓገዝ ንውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ

ሓገዝ ንውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ

774

ማሕበር ብሩህ ተስፋ ምስ ድምፃዊ ያሬድ በርሀ ብምትሕብባር ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል 550 ሽሕ ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ዓብዑር ደገፍ ተገይሩ።

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከቡ ማሕበር ንብሩህ ተስፋ ምስ ድምፃዊ ያሬድ በርሀ ብምትሕብባር ካብ ዲያስፖራ ትግራይ ብዝተረከበ 550 ሽሕ ብር ዝግመት ሓገዝ ንውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሓገዝ ተገይሩ፡፡

በቲ ዝተልኣኸ ሓገዝ 15 ዓብዑር ተዓዲጎም ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተረከበ ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣይተ ጨርቆስ ወ/ማርያም ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንምምካት ኣካሎም ንዝሰንከሉ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ካብ ቀረብ ምግቢ ብተወሳኺ ትካሎም ሰብ ሰራሕ ደጋፊ ኣካል ሓገዝ እናገበረ ከምዝመፀን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ግን ሕፅረት ከምዘጋጠመን እዮም ዝገልፁ፡፡

እቲ ዘሎ ፀገም ሰፊሕ ብምዃኑን ኣካል ደገፍ ሕፅረት ብምህላውን ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንነዊሕ እዋን ብቖፀሮ ይፅበዩ ከም ዘለዉ እውን ሓቢሮም፡፡

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ንፋስ ሰላም ብናታቶም ጉድኣት ኣካልን ናይ ብፆቶም መስዋእቲን ስለ ዝኾነ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ምትሕብባርን ደገፍን ከም ዝሓትት እውን ኣረዲኦም፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ኣተሓባበሪ ሎጀስቲክስ ማእከል ጥዕና ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ካሕሳይ ኣብርሃ ብወገኖም ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም ፡፡

ካብ ንግዲ ማሕበረሰብ ኮይኖም ኣብቲ ርክክብ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኣይተ ተክሉ ሓጎስ ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝተፈላለዩ ፀገማት ስለዘለዎም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝርከቡ ወገናት ሓገዞም ኣሐይሎም ክቕፅሉሉ ፀዊዖም ፡፡
ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድማ ነቲ ንዝተገበሎም ደገፍ ብምምስጋን ነዚ ሰናይ ተግባር ድማ ካልኦት ንክስዕብዎ ተላብዮም ፡፡
ብኣበባ ፅጋቡ