Home ዜና ሓገዝ ንዝተፀገማ ደቂኣነስትዮ

ሓገዝ ንዝተፀገማ ደቂኣነስትዮ

513

ኣብ ማእኸላይ ጣልያን ከተማ ቶስካና ዝነባርነተን ማሕበር ደቂ ኣንሰትዮ ተጋሩ፣ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ማይቅነጣል ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከባ 106 ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣበርኪተን።

እቲ ብትካል ምግባረ ሰናይ ሙሉ ሃይለስላሴ ኣቢሉ ዝተወሃበን ሓገዘ፣ ነተን ተሓገዝቲ ነፍሰ ወከፈን ኣርባዕተ ሽሕ ብር ዝተወሃበን ኮይኑ፤ ግዝያዊ ፀገመን ከምዝፈትሓሉ ብምግላፅ ዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን፡፡

ኣዶወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ማእኸል ወ/ሮ ፍረወይኒ ኣለምብርሃን፤ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 55 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ስለዝርከባ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ህፁፅ ሓገዛት ክገብሩ ፀዊዐን ፡፡

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ