Home ዜና “ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ኣነ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ...

“ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ኣነ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝበይ በሊዑ ክፀግብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዘ ክገብረሉ እየ ዝደሊ” ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነበር ትግረወይቲ ህፃን፡፡

1232

“ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ኣነ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝበይ በሊዑ ክፀግብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዘ ክገብረሉ እየ ዝደሊ” —ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነበር ትግረወይቲ ህፃን፡፡

ሪኢቶታት ደንበ ማሕበራዊ ሚድያ

ጃክ ታፔር ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን ኣብ ዩክሬን ካርኪቭ ልዕሊ 5600 ምልክታት ገበን ኩናት ኣለዉ እዚ ጀኖሳይደ ድዩ ክበል ምሕታቱ ስዒቡ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን ንዒማ ኢላባግር ነዚ ኣብ ትግራን ዩክሬንን ዝተፈፀመ ጨፍጫፋት ጀኖሳይድ ኢልካ ሚዛን ምሃብ ኣካል ፍትሒ እዩ ፡፡ ኣሜሪካ ድማ ነዞም ጨፍጫፋት ጀኖሳይድ ክትብሎ ይግባእ ክትብል ሪኢቶኣ ሂባ ኣላ፡፡ ——ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ትግራይ ሙሉእን ዘይተቖራረፀን ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ መንገዲ ክኽፈት ኣለዎ ምባሉ ስዒቡ ኣብ ዓለምለኸ ገበንን ሰብኣዊ ገበናትን ዓለም-ለኸ ዳይና ሎቲ ለቸ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ስኑድ ዓለም-ለኸ ገበናት ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ፍትሒ ክረኽቡን ይግባእ ክትብል ሪኢቶኣ ሂባ ፡፡እዚ ንምግባር ድማ ምትእልላሽ ሓቅታትን ፍትሕን ቀንዲ ግቡእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክኸውን ኣለዎ ኢላ፡፡

ጥምረት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ብጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ዘብፅሕዎ ኩለ-መዳይ ዕንወትን ምንኣስ ትኹረት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይን ዝብሉ ዛዕባታተ ኣተኩሩ ኣብ ፋውንዴሽን ኢምፓወርሜንት ፊሊስጤም online ኮንፈረንስ ከካይድ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ዓለም-ለኸ ተንታኒ ፖለቲካን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ሙካሽ ካፒላ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሳተፉ እንትኾኑ ነቲ ብቐጥታ ኦንላይን ዙም ዝግበር ኣኼባ ዶክተር ወይኒ ተሰማን ሳሙኤል ገብሩን ዝተብሃሉ ክመርሕዎ እዮም ፡፡ብኻልአ ዜና ዋና ስራሕ ፈፃሚ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዛዕባታት ኩነታት ጥዕና ዓለም ፣ ኩናት ዩክሬን፣ ኩነታት ደገፍ ናውቲ ጥዕና ትግራይን ካልኦት ዓለምለኻዊ ጥዕናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምሰ ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ቢል ክሊንተን ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእል ሃናፂን ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ምግባሮም ንዝሃብዎ ሪኢቶ ስዒቡ ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ቢል ክሊንተን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ልኡኽ ውድብ ጥዕና ዓለም ንምብራኽ ብዘዕርፍዎ ዘለዉ መሪሕነት ከምዝተሓጎሱን ኣብ ህሉው ኩነታት ዓለም ሃናፃይ ውፅኢታዊ ዘተ ምዝታዮም ፅሒፎም ኣለዉ፡፡

ተንታኒ ፖሎቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪዱ ዘሎ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሞያ ካልኣይ ዙር ኩናት ከፊቱ ከም ዘሎ ገሊፁ፡፡ እዚ ጃህራ ኩናት ድማ ንልዕሊ 20 ሚልዮን ዝኸውን ብድርቂ ተጠቒዑ ዘሎ ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዊሱ ብሓፈሻ ከዓ ንቲ ዞባ ንዝገደደ ሰብኣዊ ህልቂትን ጥፍኣትን ዘቃልዕ እዩ ክብል ሪኢቱኡ ሂቡ ኣሎ፡:

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓቢ ክሳብ ህፃን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃኢን ዘሎ ኩሉ ወዲ ትግራይ ኣብቃልሲ ኣብ ዝረባረበሉ ዘሎ እዋን ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነበር ትግረወይቲ ህፃን ድማ “ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ሕዚ ኣነ ዝደልይ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝበይ በሊዑ ክፀግብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዘ ክገብረሉ እየ ዝደሊ” ዝብል ዝሃበቶ ፍልይ ዝበለ ርኢቶ መዘራረቢ ዛዕባ ደንበ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብወያንተ ብዙነህ