Home ዜና ሕገ-መንግስታዊ ልዝብ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ

ሕገ-መንግስታዊ ልዝብ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ

850

መንግስቲ #ትግራይ ውላድ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ልዝብ ምክያዱ ትግራይ ክተረጋግፆም ንእትደሊ ባህግታት ንምግሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ሙሁራት ገሊፆም፡፡

በቲ ዝካየድ ልዝብ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ንክኸውን ህዝቢ፣ መንግስትን ሙሁራትን  ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ እቶም ሙሁራት ምዒዶም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሩ ክመርሕን ክምራሕን ዝፀንሐ ብምዃኑ ረብሓታቱ ንዘረጋግፀሉ ሕግን መትከላዊ እምነታቱን ዋጋ ክኸፍል ምፅንሑ ሙሁራት ሕጊ ዶክተር ሰለሞን ባርናባስን ዶክተር ፀጋይ ብርሃነን ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መረጋገፂ ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ፣ ዲሞክራሲ፣ ነፃነት፣ ሉኣላውነትን ምዕባለን ዝኾነ ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብፋሽስታውያን እንትጠሓስ ቀዲሙ እቶም ጥሕሰታት ብኣጋ ክእረሙ ሕገ-መንግስቲ ይከበር ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ  ሓቲቱ ግና ሰማዒ ስኢኑ እዩ ኢሎም እቶም ሙሁራት፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣይፀንትን ኢሉ ኣንፃር ፋሽስታውያን ብዘካየዶ መሪር ቃልሲ ፀላእቲ ተገዲዶም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከቕርብዎ ዝፀንሑ ሰላማዊ ኣማራፂ ዋላ ብዘረባ ደረጃ ተቐቢልና ምባል ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ክልተ ኣካላት ረብሓታቶም ንምኽባር መለክዕታት ብምንፃር ሳልሳይ ወገን ዓዲሞም ወይ ድማ ፊት ንፊት ባዕሎም ልዝብ ምክያድ ንቡር ኣሰራርሓ ዓለምና ምዃኑ ሙሁራት ኣብሪሆም፡፡ 

ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ልዝብ እንትካየድ ኣብ ክንዲ ዘለካ ነገር ኣጥፊእኻ ድሌት ሳልሳይ ወገን ክፀዓነካ ምፍቃድ ብቓልስኻ ዝተኸልካዮ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብዝፈቅድን ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ብዘረጋግፅ ሕገ-መንግስቲ ሽኻልካ ገይርካ ልዝብ ምክያድ ረብሓ ትግራይ ንኽረጋገፅ ወሳኒ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕገ-መንግስቲ ተጣሒሱ እምበር ኣይፈረሰን ዝበሉ ሙሁራት  ማእኸልን ማዕኸንን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ረብሓታቱ ንፀላእቲ ኣሕሊፉ ንኸይህብን ባህግታት ህዝቢ ንኽገሃዱን በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ምድርዳር እዋኑ ዝጠልቦ ኣጀንዳ ተገይሩ ተወሲዱ ኣሎ ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶን ሕዚ እውን ዘቐፅሎን ዘሎ ቃልሲ ብዘላቕነት ንኽዕወት  ኣብቲ ልዝብ ሰዓራይ ካብ ምዃን ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ስለዘየለ መንግስቲ ትግራይ ንፁር ዝኾነ መላዘቢ መርሃ ግብሪ ኣውፂኡ ብዕቱብ ክሰርሕ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ረብሓ መሰል ዓርሰ ውሳነን ካልኦት ጥቕምታትን ተገንዚቡ ንኽቃለስን እቲ ልዝብ ብንቕሓትን ክእለትን ንኽምራሕን ሙሁራት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ተገንዚቦም ግቦኦም ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር፡፡

መንግስቲ ትግራይ ናብ ድርድር ዘየቕርቦም ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ህላወ ሰራዊት ትግራይ፣ ምኽፋት ኣገልግሎታት፣ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብን ካልኦት ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት እውን ብኸይዲ ንኽረጋገፁ ብትሉም መንገዲ ተተግቢሮም ህዝቢ ትግራይ ንኽርበሐሎም ኩሉ ውራዩ ገይሩ ክሰርሐሉ ሙሁራት ምዒዶም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ