Home ዜና መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

1715

ብሳላ’ቲ ፈተኽ ዘይብል ሓድነትናን ብፈተንቲ ኹነታት ዘይንደል ፅንዓትናን ዘይንሰግሮ ሩባ፣ዘይንወፆ ጎቦ የለን!

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ሕልምን ውጥን ፀላእቲ፣ መሰል ርእሰ ውሳነናን ዓርሰ ምሕደራናን ብጉልበት ምጉዕፃፅ ጥራሕ ኣይነበረን፣ የግዳስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ምንባር ተፈጥራዊ መሰልና ጉልበት ጨሪሶም ከጥፍኡና ከምዝተበገሱ ብግልፂ ኣብ ኣደባባያት እውን ከይተረፈ ብዘይምንም ሕንከት ዝገለፅዎ ሓቂ’ዩ።

ስለዚ ባህሪ እዚ ኲናት’ዚ፣ በቲ ሓደ ገፅ ንሕና ከም ህዝቢ ከይንጠፍእ ህላወና ንምርግጋፅ ኣማራፂ ስኢንና ተገዲድና ዝኣተናዮ፣ ብካልእ ገፅ ድማ ከንበርክኹና ጥራሕ ዘይኮነስ ከጥፍኡና ምስ ተበገሱ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ ዝካየድ ኲናት’ዩ። ካብዚ መሰረታዊ መርአይን እምነትን ብምብጋስ ኢና እምበኣር፣ ብጀካ ዓወት ካልእ ምርጫ ዘይፈቅድ መኸተ’ዩ እንብል። ስለዚ ንሕና፣ ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ምንባር ተፈጥራዊ መሰልና ንምርግጋፅን ህላወና ንምውሓስን ኢና ህዝባዊ መኸተና ነካይድ ዘለና።

ክንዲ ዝኾነ ድማ ንመሬትካን ንህዝብኻን ህያው መስዋእቲ ከፊልካ ምሕላፍ ድርብ ክብሪ ዘጎናፅፍ ምዃኑ ግልፂ’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍትሓዊን ሕጋዊን ዕላማ ተቐኒትና፣ ኩሎም ፅንኩራት መድረኻት ትሕቲ መስዋእቲ ምዃኖም ብልቢ ኣሚኑ ዝጋደል መዘና ዘይብሉ ፅኑዕ ሰራዊትና ሒዝና፣ ብሓፈሻ ድማ እዚ ፀዋርን ጀግናን ህዝቢ ኣብ ጎኒና ኣሰሊፍና ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ካብ ምርግጋፅ ዝዓግተና ምድራዊ ሓይሊ ክህሉ ኣይኽልን፣ የለን እውን።

ብጭቡጥ ኣብ ተግባር ከምእተረጋገፀን ሕዚ’ውን ኣብ ኩሎም ግንባራት ይረጋገፅ ከምዘሎን፣ ሳላ’ቲ ብቐሊሉ ክውነን ዘይኽእል ብሄራዊ ውህደትን ሓድነትን፣ ሳላ’ቲ ብሉፅ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ንቕሓትናን ብቕዓትናን፣ ማንም ክስከሞ ዘይኽል ፆር ተሰኪምና፣ ነቲ ነዊሕ፣ ዝተጠናነገን ፅንኲርን ጉዕዞ ብፅንዓት እናሰገርና፣ ወረርቲ ሓይልታት ልፍንቲ ኣብ ቅልፅም ህዝባዊ መኸተና ከም በረድ ክመኩን ብዝወልዕዎ ሓዊ ክባርዑን እናገበርና ጉዕዞና ቀፂልና ኣለና።

ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ተፀንቢሉ ናብዚ ወሳኒ ብርኪ ክበፅሕ ካብ ዘኽኣሉና መሰረታዊ ረቛሒታት ድማ ብፈተንቲ ኩነታት ዘይንደል ፅንዓትና፣ ፈተኽ ዘይብል ሓድነትናን ኩሎም ፀገማት ትሕቲ መስዋእቲ ምዃኖም ብልቢ ኣሚንና፣ ከምቲ ወትሩ ህላወናን ሓርነትናን ብቕልፅምና እምበር ብሰናይ ፍቃድ ዝኾነ ኣካል ክነውሕስ ከምዘይከኣል ተረድእና ከም ህዝቢ፣ ሰራዊትን መንግስትን ኣብ ህዝባዊ መኸተና ረቢብና ብምቅላስና እዩ። ሕዚ’ውን ኣብዚ ብርኪ’ዚ ክንበቅዕ ዝደረኹና ብሉፃት ክብሪታት ገድሊና ዝያዳ ክነሐይልን እዛ ዝተረፈት መድረኻዊ ልኡኽና ኣብ ሽቶኣ ክነብፅሓን፣ እዞም ዘጋጥሙና ዘለዉ ከበድቲ ብድሆታት ከም ወትሩ ብፅንዓት ንምስጋር፡ ሕድ ሕድና ኣብ ዘዝተመደብናሉ ግንባር ብልዑል ሕራነን ህልኽን ክንጋደል የዘኻኽር።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ እዚ ህዝባዊ መኸተና’ዚ ብዓወት ክኽንበት ብምግባር ክብሪ ገድልና ዓቂብና፣ ብሄራዊ መንነትና ኣድሚቕና፣ ባንዴራና፣ ባንዴራ ትግራይ ኣብ በሪኽ ቦታ ከምነንበልብላ ምንም ዘጠራጥር ነገር የብሉን።

ትግራይ ብተጋድሎ ደቃ እናተኾለዐት ክትነብር’ያ!!

ሕዚ’ውን ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ሰላም!