Home ጥዕና መንሽሮ ዓይኒ

መንሽሮ ዓይኒ

430

መንሽሮ ዓይኒ ኣብ ውሽጢ ኵዕሶ ዓይኒ ኣብ ዝርከቡ ዋህዮታትን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ መዋቕራትን ከም ሽፋን ዓይንን ቱቦታት ንብዓትን ዝርከቡ ዋህዮታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ምስ ዝበዝሑን ዘይከምንቡር  ሕበጥ ምስ ዝፈጥሩን ዘጋጥም እዩ ።

ማሕበር መንሽሮ ዓይኒ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ 2024 ንሓድሽ ረኽሲ መንሽሮ ዓይኒ ኣብ ዝሃቦ ትምበያ፤ኣስታት 3,320 ሓድሽ ረኽሲ ከምዝህሉን ካብዚኦም ድማ ኣስታት 560 ሰባት ብሰንኪ መንሽሮ ዓይን ክሞቱ ከም ዝኽእሉ የቐምጥ፡፡

እቶም ዝበዝሑ ዓይነታት መንሽሮ ዓይኒ ድማ ካብ ማእከል ዓይኒ ዝጅምሩ እዮም ፡፡ካብቶም ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዓይኒ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት መንሽሮ ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም፡፡

እዙይ ካብ ዓይኒ ዝለዓል መንሽሮ ክብሃል እንተሎ ገለገለ እዋናት ድማ ካብ ውሽጢ አካላት ዘለዓል  መንሽሮ ኣብ ዓይኒ ምልክት ብምርኣይ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም፡፡

ኣብ ህፃናት ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝገበሩ መንሽሮ ደምን ኩላሊት ኣብ ዓይኒ ምልክት ዘርእዩ እንትኾኑ ኣብ ዓበይቲ ደቂ ኣስትዮ  መንሽሮ ጡብ ፣ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ መንሽሮ ሳንባ  ኣብ ዓይኒ ብዘርእይዎ ምልክት እቲ ሕማም ክረኣ ይኽእል፡፡

መንሽሮ ዓይኒ ድማ ኣብ ቆቢዕ ዓይኒ፣ ኣብ ሽፋሽፍ ዓይኒን ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ዝፍጠር ኮይኑ መብዛሕቲኦም ብዕድመ ዝዓበዩ ሰባትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ብፍላይ ምስ H.I.V ኤድስ ዝነብሩ ወገናት ተቓላዕቲ እዮም፡፡

እቲ መንሽሮ ድማ ናብ መላእ ኣካላት ክዝርጋሕ ይኽእል።ንመንሽሮ ዓይኒ ብኣግኡ ምፍላጥን ምሕካምን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝርግሐ ክከላኸል ይኽእል።

መንቀሊ ምክንያት፡-

  • ብዘርኢ
  • ምስ ፀሓይ ብርሃን ተታሓሒዙ ዝመፅእ ኩነታት ብርተዐ ፀሓይ/ብርሃን
  • ኣብ ፋብሪካታት ዝሰርሑ ሰባት ብፍላይ ምስ ኬሚካላት ምንኽኻእ ዝወለዶ
  • ዋህዮታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክመቓቐሉን ክበዝሑን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ መወዳእታ ዝፍጠር ሕበጥ ቁርፅራፅ ናይቲ ሕበጥ ተበታቲኑ ናብ ፅክታትን ደምን ክዝርጋሕ ይኽእል። እቶም ዋህዮታት መንሽሮ ብመንገዲ ደምካን ስርዓተ ፅክታትን ናብ ካልእ ክፋላት ኣካላት ብምስፍሕፋሕ
  • ዕድመ፡- ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ፣ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻፃናት ይፀሉ
  • ፍኹስ ዝበለ ዓይኒ ዘለዎም ሰባት (ሰማያዊ፡ ቀጠልያ) ካብቶም ፀሊም ዓይኒ ዘለዎም (ቡናዊ) መንሽሮ ዓይኒ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

ምልክታት እቲ ሕማም፡-

–  ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ሕብሪ ዓይኒ ምቅያር እታ ፀላም ሕብሪ ናብ ፃዕዳ ሕብሪ እንተተቀይራ ምልክት ሕማም  መንሽሮ ዓይኒ እዩ

–  ኩዕሶ ዓይኒ ምዕባይ ወይ ምንአስ ምልክት እቲ ሕማም  እዩ፡፡

–  ዘይመሓየሽ ቁጥዐ ዓይኒ

–  ኣብ ኣየሪሰ ዝዓቢ ፀሊም ነጥቢ።

–  ኣብ ሽፋን ዓይኒ ወይ ኣብ ኵዕሶ ዓይኒ ዝፍጠር ዕንፍሩር።

– መብዛሕቲኦም ምልክት ሕማም መንሽሮ ዓይኒ ምሕባጥ ዓይኒ እዩ በኡ አቢሉ ድማ መድመይቲ የጋጥም፡፡ ዓይንና ክንሓሲ እንተለና ናይ ምድማይ ባህሪ የጋጥም፡፡

– ምርኣይ /ብርሃን ዓይኒ ምቅናስ፣

ብርክታት ምልክት ሕማም መንሽሮ ዓይኒ፡-

1ይ ደረጃ፡ ብምርመራ ማለት ብዝተራቐቐ መሳርሒ ዝርጋገፅ

2ይ ደረጃ ፡- እቶም ምልክታት ብዓይኒ ናይ ምርኣይ ደረጃ ክበፅሑ እንተለው ዝፍለጥ

3ይ ደረጃ፡- እቶም ምልክታት ዓይኒ እንተጥቂዖም

4ይ ደረጃ ፡- ካብ ዓይኒ ወፀዮም ኣብ ካልኦት ስውነት ክዝርጋሕ እንተሎ

 ዘጥቅዕዎ ክፍሊ ዓይኒ፡-

–  ቆቢዕ ዓይኒ ፣ ሽፋሽፍ ዓይኒ

–  ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ዘለዉ ክፋላት ዓይኒ

– ሳዕቤን ሕማም መንሽሮዓይኒ

–  ብርሃን ዓይኒ ምስኣን

–  ብእዋኑ እንተዘይ ተሓኪሙ ድማ ናብ ካሊእ ስውነትና ብፍላይ ናብ ሳንባ፣ ፀላም ከብድን ናብ ኣእምሮ ክዝርጋሕ እንተሎ ብሂወተ ናይ ምንባር ግዘ ሓፂር እዩ፡፡

ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ዓይኒ፡-

–  ኣብ ስድራቤትካ ቅድም ክብል ዝገጠሞ ተልዩ ካልኦትካ ቀዲምካ ምምርማር ዘርኢ ሓደ መንቀሊ ስላ ዝኾነ

–   በቢእዋኑ ምርመራ ዓይኒ ምግባር

–   ምልክታት ክረኣዩ እንተለው ቀሊጢፍካ ናብ ሕክምና ምካድን ማዕዳሓኪም ምርካብን

ፍወሳ ሕማም መንሽሮ ዓይኒ

–   ኣብ 1ይደረጃን 2ይን ደረጃ ንዘሎ ሕማም መንሽሮ ዓይኒ ተሎ ኢልካ እንተዳኣ ተሓኪሙ ዉፂኢታዊን ክድሕን ዝኽእልን እዩ

–   ሕክምና ጨረርታ

–   መጥባሕቲ ንካልኦትን ተጠቀስቲ እዮም ከም ሓበሬታ ሄልዚላይን

ብምስግና ስዩም