Home ጥዕና መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን

መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን

299

መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብቀታልነቱ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ፡፡ ኣብ 2020 ኣብ ዓለም ብገምጋም 604 000 ሓደስቲ ሕሙማትን 342 000 ሞትን ተመዝጊቡ እዩ ፡፡ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 90% ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ኣጋጢሙ።  

ዝለዓለ መጠን ተርእዮን ሞትን መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን  ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ (SSA)፡ ማእከላይ ኣመሪካን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን እዩ። ኣብተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት እዩ። እዚ ድማ ክታበት ሂዩማን ፓፒሎማ ቫይረስ (HPV) ፣ ግልግሎት መርመራን ሕክምናን ማህፀን፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጠለባት ብኣግባቡ ብዘይምርካብ ዝፍጠር ዓበይቲ ዘይምዕሩይነት ዝመፅእ እዩ ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም።

መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ብቐፃሊ ረኽሲ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV) ዝመፅእ እዩ። ምስ ኤችኣይቪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ምስተን ኤችኣይቪ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ክነፃፀር እንከለዋ እቲ መንሽሮ ናይ ምምዕባል ተኽእሎአን ብ6 ዕፅፊ ይዛይድ።

መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ብኣጋኡ እንተተረኺቡን ብቕልጡፍ እንተተሓኪሙን ክፍወስ ይኽእል።ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተታት ዓመታት እዚ መንሽሮ ንምውጋድ ሰለስተ ሸቶታት ከዕውታ ይሰርሓ ኣለዋ፡፡ 

ጠንቅታትን ምልክታትን

• ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV) ልሙድ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እዩ፡፡ ንቆርበት ከባቢ ስጋዊ ርክብን ጎሮሮናን ክፀሉ ይኽእል። ፆታዊ ርክብ ዝፍፅማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገለ እዋን ህይወተን ክለኽፉ ይኽእላ እየን፡፡

• ቀፃሊ ረኽሲ ብዝለዓለ ሓደጋ ኤች.ፒ.ቪ ዘይንቡር ዋህዮታት ክምዕብሉን ቀፂሉ ድማ መንሽሮ ክኾኑን ይኽእል።

• ብኣጋ እንተዘይተሓኪመን፡ 95% ናብ መንሽሮ ማህፀን ናይ ምቕያር ዕድሉ ሰፊሕ እዩ፡፡

• ከም ልሙድ ዘይንቡር ዋህዮታት መንሽሮ ንኽኾኑ ካብ 15–20 ዓመት ይወስድ፡፡

•  ኣብተን ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ግን እዚ መስርሕ ዝቐልጠፈ ክኸውንን ካብ 5–10 ዓመት ክወስድን ይኽእል። 

• ንመንሽሮ ንምምዕባል ዘቃልዑ ረቛሒታት፡ ደረጃ ኦንኮጀኒሲቲ ናይቲ ዓይነት ኤች.ፒ.ቪ፣ኩነታት ምክልኻል ሕማም፣ ህላወ ካልኦት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት፣ብዝሒ ውልደት፣ ኣብ መጀመርታ ጥንሲ ንኡስ ዕድመ፡፣ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጥንሲ ሆርሞናትን ምትካኽ ሽጋራን ይርከብዎም።

ቀንዲ ምልክታት፡-

• ኣብ መንጎ ወርሓዊ ፅግያት፡ ድሕሪ ፅግያት፡ ወይ ድሕሪ ፆታዊ ርክብ ዘይተለምደ ምፍሳስ ደም

• ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ርሕሚ

•  ቀፃሊ ቃንዛ ኣብ ሕቖ፡ እግሪ ወይ ሽምጢ

•  ምጉዳል ክብደት ሰብነት፡ ድኻምን ምጉዳል ሸውሃትን፣ሕበጥ ኣብ እግሪ ይጥቀሱ

ሜላ ምክልኻል

• ንቕሓት ህዝቢ ምዕባይ፣ ተበፃሕነት ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ኣብ መላእ መስርሕ ህይወት ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቁልፊ እዩ።

• ኣብ 9–14 ዓመት ዕድመ ምኽታብ ረኽሲ ኤች.ፒ.ቪ፡ መንሽሮ ማህፀንን ካልኦት ምስ ኤች.ፒ.ቪ ዝተኣሳሰሩ መንሽሮታትን ንምክልኻል ኣዝዩ ውፅኢታዊ መገዲ እዩ።

• ካብ 30 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ (25 ዓመት ኣብተን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ) መርመራ ምግባር ሕማም መንሽሮ ማህፀን ክፍለጥ ይኽእል፡፡ እዚ ድማ ምስ ዝሕከም መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ይከላኸል።

• ኣብ ዝኾነ ዕድመ ምልክታት ወይ ስክፍታታት ዘለወን ተመርሚረን ብኣግኡ ምፍላጥ ስዒቡ ቅልጡፍ ሕክምና ንመንሽሮ በሪ ማህፅን ክፍውስ ይኽእል።

• ክሳብ 2023 ብደረጃ ዓለም 6 ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ኣለዉ። ኩሎም ካብቶም ንመብዛሕትኡ መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ዘስዕቡ ረኽሲ ኣብ ምክልኻል ውሑስን ውፅኢታውን እዮም፡፡ 

• ከም ቀዳምነት ክታበት ፀረ መንሽሮ ጫፍ በሪ ንኹለን ካብ 9–14 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ክወሃብ ኣለዎ፣ ቅድሚ ፆታዊ ርክብ ምፍፃመን እቲ ክታበት ብ2 ምዕራፍ ክወሃብ ይኽእል። ምጉዳል ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎም ሰባት ብዝበለፀ 2 ወይ 3 ዶዝ ክወስዳ ኣለወን።  

• ካልኦት ኣገደስቲ መገድታት ምክልኻል ረኽሲ ኤች.ፒ.ቪ፤ሽጋራ ዘይምትካኽ ፣ ግርዛት ደቂ ተባዕትዮ።

ምርመራን ሕክምናን ቅድመ-መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፅን  

• ደቂ ኣንስትዮ ካብ 30 ዓመት ጀሚረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5–10 ዓመት ንመንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ክምርመራ ኣለወን።ምስ ኤችኣይቪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 25 ዓመት ጀሚረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ዓመት ክምርመራ ኣለወን። 

• ዋላ ፀረ ኤች.ፒ.ቪ ዝተኸተባ  እንተኾና ስሩዕ መርመራ መንሽሮ ማህፀን ኣገዳሲ እዩ።

• ድሕሪ ኣወንታዊ መርመራ HPV (ወይ ካልእ ኣገባብ መርመራ) ሓደ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ኣብ ማህፀን (ከም ቅድመ-መንሽሮ) ለውጢ ክርኢ ይኽእል እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ መንሽሮ ማህፀን ክምዕብል ይኽእል። ሕክምና ቅድመ-መንሽሮታት ቀሊል ኣገባብ ኮይኑ ንመንሽሮ ማህፀን ይከላኸል። 

• መንሽሮ ማህፀን ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሕማም እንተተረኺቡን እንተተሓኪሙን ክፍወስ ይኽእል። ምልክታት ምልላይን ዝኾነ ስክፍታታት ንምፍታሕ ሕክምናዊ ምኽሪ ምሕታትን ወሳኒ ስጉምቲ እዩ። 

• እዚ ድማ መጥባሕቲ፣ ራድዮቴራፒን ኬሞቴራፒን ከምኡ’ውን ደጋፊ ክንክንን ምቁፅፃር ቃንዛን ንምሃብ መሕወዪ ክንክን ከጠቓልል ይኽእል።

ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት መርመራ መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ኣብ ዘዕብያሉ ዘለዋ እዋን፡ ብፍላይ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ መርመራ ዘይተገብረሎም ህዝቢ ዝያዳ ወራሪ መንሽሮ  ክረኣዩ እዮም። ስለዚ ሪፈራልን ምሕደራ መንሽሮን ስትራተጂታት ጎኒ ጎኒ ኣገልግሎት ምክልኻል ተግባራዊ ምግባርን ምስፍሕፋሕን የድሊ።

ኩለን ሃገራት ዓለም መንሽሮ ጫፈ በሪ ማህፀን ከም ፀገም ህዝባዊ ጥዕና ንምውጋድ ቃል ኣትየን ኣለዋ። ክሳብ ዓመተ 2030 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክዕወቱ ዘለዎም ሰለስተ ሸቶታት ኣቐሚጡ ኣሎ፤

• ኣብ ክሊ 15 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ 90% ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ክረኽባ

• ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድመ 35ን 45ን ዓመት ዝርከባ 70% መርመራ ቅድመ መንሽሮ ክገብራ

• ካብተን ሕማም መንሽሮ ጫፍ በሪ ማህፀን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ 90% ሕክምና ክረኽባ።

እዚ ድማ 74 ሚልዮን ሓድሽ ረኽሲ ክከላኸል ዝኽእል ኮይኑ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተትሓዘ ሸቶ ተተበፂሑ ድማ 62 ሚልዮን ሞት ከትርፍ ከም ዝኽእል ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ፡፡

ብምስግና ስዩም