Home ማሕበራዊ ማንታ ፀጋ ማንታ ፀገም

ማንታ ፀጋ ማንታ ፀገም

756

ወይዘሮ ፅሪቲ ካሕሳይ ነባርነተን ኣብ ከተማ መቀለ ክፈለ ከተማ ሰሜን  ጣብያ ለካቲት  ቁሸት ሓዱሽ ወርዒ እንትኸውን ብሓደ ግዜ ሰለስተ ሕንጠያት  ወሊዳ፡፡ ወይዘሮ ፅርይቲ ካሕሳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምግቢ ሲኢና ኣብ ፀገም ወዲቓ ከምዘላን መንበሪ ድማ ከምዘይበላ ገሊፃ፡፡

ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ወራር ምጅማሩ ንሰንን በዓል ገዝአንን  ብመዓልታዊ ስራሕ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርአን የመሓድራ ከምዝነበራ ወይዘሮ ፅሪቲ ካሕሳይ ሓቢረን፡፡

ወይዘሮ ፅሪቲ በቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ  ክባን ዕፅዋን  ናብረአን  ተሃስዩ፣ መንበሪ ኾነ መዓልታዊ  ምግቢ ሲኢነን  ንኩሉስ ወሲኻትሉ ከምዝበሃል  ብሓደ ግዜ ሰለስተ ሕንጠያት  ወሊደን ማንታ ፀጋ ማንታ  ፀገም ከም ዘጋጠመን ይዛረባ፡፡

ብሓደ ግዜ ሰለስተ ዕሸል ምውላደይ ሕጉስቲ ዋላ እኳ እንተኾንኩ በቲ ገጢሙኒ ዘሎ ፀገም ደቀይ ኮነ ህይወተይ ከይስእን ኣብ ፍርሒ ኣለኹ ኢለን፡፡

ህይወት  እዞም ተረከብቲ ትግራይ  ህፃናት  ንምትራፍ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ሓገዝ ክገብሩ ድማ ምሕፅንታ ወይዘሮ ፅሪቲ ካሕሳይን እዩ፡፡

ብኣስቴር ገብረ ስሉስ