Home ዜና ምስትኽኻል ሕጋዊ ታሪፍ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት

ምስትኽኻል ሕጋዊ ታሪፍ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት

891

ፀገም ነዳዲ ምፍትሑ ስዒቡ ኣብ ህዝባዊ ግልጋሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ ብፍላይ ናይ ከተማ ታክሲ ሕጋዊ ታሪፍ ከም ዝወፀ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ኣፍሊጡ:: እቲ ዝወፀ ሕጋዊ ታሪፍ ካብ ጥሪ 5, 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝትግበር ዝገለፀ እቲ ቢሮ ንተግባራውነቱ ሕብረተሰብ ምስ ትራፊክ ፖሊስን ዝምልከቶም ኣካላትን ተዋዲዱ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢሉ::

ብተዛማዲ ሓበሬታ ካብ ትግራይን ማእኸል ሃገርን ዝግበር ምንቅስቃስ ካብን ናብን መንገድን መጓዓዝያን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝጅመር እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ::ድሕሪ ኣብ ፕሪቶርያን ናይ ሮቢን ዝተኸተመ ውዕሊ ደው ምባል ተፃብኦ ብመንገዲ ኣየር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ መዓልታዊ ምምሕያሽ ከምዘሎን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅልን ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቕ ገሊፀን::

ንከቢድ ሕማም ዘለዎም ፣ ጥኑሳት ፣ ሓራሳትን ኣረጋውያንን ቀዳምነት ንምሃብ ተባሂሉ እንተዘይ ኾይኑ መናእሰይ ተጠቀምቲ መንገዲ ኣየር ከይኾኑ ዝኸልከለ ዝኾነ ኣካል ወይ ኣሰራርሓ ከምዘየለ ድማ ወ/ሮ ኣልማዝ ወሲኸን ገሊፀን::#ብሕሉፍ ካሕሳይ